ሕቶ ሰላም መናእሰይ ኢትዮጵያ

Your browser doesn’t support HTML5

ሕቶ ሰላም መናእሰይ ኢትዮጵያ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ሃገር ዝረኣዩ ዘለው ግጭታት ብሰላም ንምፍታሕ ንመንእሰያት'ታ ሃገር ፃውዒት ኣቕሪቦም። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተሳለጠ ሃገራዊ ዋዕላ ዝተሳተፉ መናእሰይ፣ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ዘይምርግጋእ፣ ብዝተፈላለየ መንገዲ ይፀልዎም ምህላው ንድምፂ ኣመሪካ ተዛሪቦም። እቶም መንእሰያት ቀንዲ ግዳያት ናይቲ ዝካየድ ዘሎ በበይኑ ጎንጽታት ምዃኖም ይገልጹ።