ኣዲስ ኣበባ —
ኣብ መንጎ መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ምርድዳእ ንምፍጣር ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ዝተፈላለዩ ኣካላትን ጻዕሪ ምግባሮም ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ተዛሪቡ። ንሱ ነዚ ዝበለ ሎሚ ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ዝቐረበሉ ሕቶ ኣብ ዝመለሰሉ እዋን`ዩ።
ይኹን`ምበር ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት እቲ ናይ ሰላም ጻዕርታት ከምዘይተዓወተ እቲ ቀዳማይ ሚንስተር ተዛሪቡ`ሎ።
ብዛዕባ`ዚ ናይ ሰላም ዝርርብ ካብ ወገን`ቶም ዕጡቓት ዝተባህለ የለን።
ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ ጻዕራ ብሰለማዊ መንገዲ ከም ትቕጽሎ`ውን ኣብቲ እዋን ተዛሪቡ`ሎ።
ኢትዮጵያ ምስ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ ብዝፈረመቶ ናይ መረዳድኢ ሰነድ ምስ ሶማልያ ዝተፈጥረ ምስሕሓብ ዝተሓተተ ቀዳማይ ሚስንተር ኣቢይ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ካብ ምርካብ ዝሓለፈ ምስ ሶማልያ ካልእ ኣጀንዳ የብልናን፡ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ድልየትና`ውን ብሰለማዊ መንገዲ ንምዕዋት ጻዕርና ክንቅጽል ኢና ኢሉ።
ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተሓተተ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ከምዚ ክብል ምላሽ ሂቡ። “ ገለ ወረታት ይስማዕ`ዩ ግን ንሕና ንደልዮ ሰላም`ዩ። ካብኡ ወገን ዝመጽእ ነገር ክሳብ ዘይሃለወ ብናትና ተበግሶ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ኣሕዋትና ዝኾነ ነገር ኣይፍጸምን`ዩ” ኢሉ።