ናይ ፈረንሳ ጸረ ግብረ ሽበራ ቤት ጽሕፈት ኣብ ከተማ ፓሪስ ምርመራ ምጅማሩ ተገሊጹ

Your browser doesn’t support HTML5

ናይ ፈረንሳ ጸረ ግብረ ሽበራ ቤት ጽሕፈት ኣብ ከተማ ፓሪስ ምርመራ ምጅማሩ ተገሊጹ

ናይ ፈረንሳ ጸረ ግብረ ሽበራ ቤት ጽሕፈት ድሕሪ ኣብ ኖርት ዳም ካቴድራል ኣብ ልዕሊ ሓደ ናይ ፖሊስ አባል ዝተኻየደ መጥቓዕቲ ኣብ መላእ ከተማ ፓሪስ ምርመራ ምጅማሩ ኣፍሊጡ’ሎ።

ናይ ከተማ ፓሪስ ፖሊስ ብወገኑ ድሕሪ እቲ መጥቓዕቲ ንሓደ ጥርጡር ተኩሶም ምቁሳሎም ሓቢሮም’ለው።

ፖሊስ ንከባቢ እቲ ካቴድራል ክገድፉ ክመርኽሩ’ውን ተራእዮም’ዮም። ሰበ ስልጣን እታ ከተማ እቲ ቆሲሉ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝአተወ ውልቀ ሰብ ነቲ መጥቓዕቲ ንበይኑ ምፍጻሙ ግን ኣየረጋገጹን።