ምዕቃብ ኣፀሓሕፋ ብራና ኣብ ኢትዮጵያ

Your browser doesn’t support HTML5

ምዕቃብ ኣፀሓሕፋ ብራና ኣብ ኢትዮጵያ

ሜላድ ዝበሃል ማእኸል ምድላው መፅሓፍቲ፣ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ምርኢት መፅሓፍቲ ብራና ኣዳሊዩ ነይሩ። እቲ ኣብ ትሕቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ዝርከብ ማእከል፣ ኣብ ዘዳለዎ ምርኢት፣ ብርክት ዝበሉ መፅሓፍትን ስእልታትን ብራና ኣቕሪቡ ነይሩ። ዕላማ እቲ ምርኢት፣ ኣብ ምስናድንን ምዕቃብን ፅሑፋት ብራና ግንዛበ ህዝቢ ንምዕባይ ከምዝኾነ እቶም ኣዳለውቲ ይዛረቡ።