ንስለ ሓድነት ህዝብታት

Your browser doesn’t support HTML5

ንስለ ሓድነት ህዝብታት

ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፍላይ ከኣ ምስ ህዝቢ ክልል ትግራይ ዘሎ ዝምድናን ርክብን ንምሕያል ዝሰርሓ ዝተፈላለያ ማሕበራትን ተበግሶታትን ምህላወን ይፍለጥ። እዚ ተበግሶታት ብፍላይ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ/ሰለስተ ዓመታት ሓይሉ ይርኣ። ኣብዚ ተበግሶ ካብ ዝንቀሳቀሱ ክልተ ኣጋይሽ ካብ ማሕበር ትንሳኤ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብቀንዱ ድማ ክልል ትግራይ ኣቶ ሓድሽ መብራህቱ ካብ ኔዘርላንድስ ኢንጂነር ያዕቆብ ገብረትንሳኤ ካብ እንግሊዝ ኣዘራሪብናዮም ኣለና።