ኣብ ምቅታል ኦሳማ ቢን ላደን ምጥርጣራት ነይሮም ይብሉ ፕረ. ኦባማ

ኦሳማ ቢን ላደን ዝተሓበአሉን ዝተቀትለሉን ቤት

ምህዳን ኦሳማ ቢን ላደን ስልጣን ካብ ዝሓዝሉ ዕለት ጀሚሩ ቀዳማይ ትኹረት ዝረኸበ፣ ምፍፃም እቲ ልኡኽቶ ግና ኣካታዒ ነይሩ ኢሎም ፕረዚደንት በራክ ኦባማ።

ብምኽንያት 5ይ ዓመት ሞት ኦሳማ ቢን ላደን ምስ CNN ቃለ-መጠይቅ ዘካየዱ ፕረ. ኦባማ፣ እታ ቁርፂ መዓልቲ ምስመፀት፣ ገለ ሃገራዊ ኣማኸርቶም ተወሳኺ መፅናዕቲ የድሊ’ዩ ከምዝበልዎም ይዛረቡ።

ፕረዚደንት ኦባማ፣ ኣብ ሓደ መንበሪ ፓኪስታን ከተማ ኣቦታባድ ዝተራኣየ ሰብ፣ ቢን ላደን ድዩ ኣይኮነን ዝብል ሕቶ መልሱ ፍርቂ - ፍርቂ እወ ኣይኮነን ዝብል ከምዝነበረ’ውን ይዝክሩ። እንተኾነ ንቢን ላደን ንምቅታል እታ ወርቃዊት ዕድል ከምዝኾነ ተረዲአ ነይረ ይብሉ።

ኦባማ ቀፅሉ ዝብል ትእዛዝ ድሕሪ ምሃቦም፣ ሰራዊት ኣሜሪካ ናብ’ቲ ህንፃ ኣትዮም ኣብ ቀዳማይ ደርቢ ንዋርድያ ቢን ላደን፣ ኣብ ካልኣይ ደርቢ ንክትኩስ ዝተቀረበ ወዲ ቢን ላደን ድሕሪ ምቅታሎም፣ ኣብ ሳልሳይ ደርቢ፣ ሓደ ኣባል’ቶም ኔቭይ ሲል ተባሂሎም ዝፍለጡ ኪኢላ ወትሃደራት፣ ነቲ ንናይ ዓለምና ቁፅሪ ሓደ ተደላዪ ኦሳማ ቢን ላደን ቀቲልዎ።

ብዘይካ’ዚ፣ ኮምፕዩተራትን ዲቪዲን ምስ ሬሳ ቢን ላደን ተሰኪሞም ካብ’ቲ ህንፃን ካብ’ታ ሃገርን ወፂኦም’ዮም። ብድሕሪኡ ብመሰረት ስርዓተ ሙስሊማት፣ ሬሳ ኦሳማ ቢን ላደን ኣብ ባሕሪ ተፈፂሙ።

ኦሳማ ቢን ላደን፣ ኣብ 11 መስከረም 2001 ኣብ ፅምዲ ህንፃታት ኒውዮርክ ሸበራዊ መጥቃዕቲ ኣዋዲዱ ን3000 ሰባት ብምቅታል ቀንዲ ተሓታቲ ምኻኑ ዝፍለጥ’ዩ።