ቤተክህነት ክልል ትግራይ 10 ኤጲስቆጶሳት ከምሾመ ኣፍሊጡ

Your browser doesn’t support HTML5

ቤተክህነት ክልል ትግራይ 10 ኤጲስቆጶሳት ከምሸመ ኣፍሊጡ

ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ሊቃነ ጳጳሳትን መሪሕነት ሃገረስብከትን ዝመስረትዎ ላዕለዋይ ቤተክህነት መንበረሰላማ ከሳቴ ብርሃን ኣብ ቀረባ እዋን 10 ኤጲስቆጶሳት ከምሸመ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ጉዳይ ምላሽ ዝተሓተተ ዋና ፀሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ኣቡነ ጴጥሮስ፡ ብዛዕባ እቲ ጉዳዩ ሓበሬታ ከምዘይብሎምን ብዛዕባ ዘይፈልጥዎ ጉዳይ ድማ መብርሂ ክህቡ ከምዘይክእሉ ሓቢሮም።

ብኻልእ ወገን፡ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ ምስ ኣቦታት ሃይማኖት ክልል ትግራይ ተቐራሪብካ ንምስራሕ ዘኽእል ዝተጀመረ ዝበሎ ምንቅስቓስ ክቕፅል ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ።