ቅዱስ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ንህዝቢ ትግራይ ይቕሬታ ሓቲቱ፡ ኣወንታዊ ምላሽ ግን ኣይረኸበን

Your browser doesn’t support HTML5

“እታ ቤተክርስቲያን ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ጠጠው ንክብል መግለፂ ኣብቲ እዋኑ ብዘይምውፅኣ ንዝተፈጠረ ቅሬታን ዘይምርድዳእን እዩ ይቅርታ ዝተሓተተ" ክብል መግለፂ እቲ ሲኖዶስ ይሕብር። ኣብቲ ጉዳይ ምላሽ ዝሓተቱ ሊቀ-ጳጳስ ሃገረስብከት ሽረ እንዳስላሰ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ብፁእ ኣቡነ ጴጥሮስ፡ “እቲ ይቕሬታ ምስ መሰየ ንይምሰል ዝቐረበ ብምዃኑ ተቐባልነት የብሉን” ብምባል፡ “ዝጀመርናዮ ጕዕዞ ክንቅፅል ኢና፡” ኢሎም።