ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣብ ሓንቲ መኪና ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 7 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ሆሮ ጉዱሩ ወረዳ አሙሩ፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ናይ ውልቂ መኪና ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሽውዓተ ሰባትከም ዝተቐተሉ ስድራቤቶም ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።

እቶም መሰኻኽር ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝዋግኡ ዕጡቓት ፋኖ እዮም ክብሉ ይኸዱ፡ ካብ ፋኖ ግን ዝተረኽበ ምላሽ የለን።

እንተኾነ ቅድሚ ሎሚ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ንሲቪላት ዒላማ ከም ዘይገብር ብምግላጽ ንተመሳሳሊ ክሲ ኣሉታ ሂቡሉ ኔሩ`ዩ። ብዛዕባ`ዚ ዜና ካብ ሰበ-ስልጣን ርእይቶ ንምርካብ ዝተገብረ ጻዕሪ `ውን ኣይሰመረን።

እታ መኪና ናብ ኣገምሳ ዝተባህለ ቦታ ናብ ጎጃም ጫቡ ዝተባህለ ዕዳጋ ትጉዓዝ ምንባራን እቶም ዝሞቱ ውልቀሰባት ነጋዶ ኣባጊዕ ከምዝነበሩ እቶም መሰኻኽር ይገልጹ።