ኣምቦ —
ኣብ ክልል ኦሮምያ ወረዳ ሱሉልታ ትማሊ ሰሉስ ንግሆ ብሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ተፈጺሙ ኣብ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ኣዛዚ ፖሊስ’ቲ ወረዳን ሓደ ካልእ ኣባል ፖሊስ ከም ዝተቐትለ ኣመሓዳሪ’ቲ ወረዳ ኣቶ ኣበበ ወርቁ ሓቢሮም። ምስቲ ምቕታል ኣዛዚ ፖሊስ ክልተ ካልኦት ኣባላት ፖሊስ’ውን ምቝሳሎም ኣማሓዳሪ እቲ ወረዳ ወሲኹ ሓቢሩ'ሎ። ብተወሳኺ ክልተ ኣባላት ፖሊስ በቶም ዕጡቓት ምጭዋዮም’ውን እቲ ሓበሬታ የረድእ።
ፈጸምቲ ናይቲ መጥቃዕቲ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ምዃኖም ኣቶ ኣበበ ይኸስስ። እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ንኣዛዚ ፖሊስ ስጕምቲ ከም ዝወሰደሉ ጠቒሱ። ድምጺ ኣመሪካ ካብቲ ጉጅለ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ዝግበሮ ጻዕሪ ግን ኣይቀንዖን።
ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኣብ ናይ ማሕበራዊ ገጻት መግለጺኡ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብሰላም ናብ መንግስቲ ይምለሱ ንዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት ናጽነት ንምቕባል ኣብ ዝፈተንሉ’ዩ ኣጋጢሙ ንዝብል ግን ኣሉታዊ ምላሽ ሂቡ’ሎ።