ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ግጭትን ኵናትን ኣብ ምንቅስቓስ ውድባት ፖለቲካ ኣሉታዊ ፅልዋ ምሕዳሩ ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት ገሊፆም

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ግጭትን ኵናትን ኣብ ምንቅስቓስ ውድባት ፖለቲካ ኣሉታዊ ፅልዋ ከምዘሕደረ ኣባላት ኣመራርሓ ተቓወምቲ ውድባት ፖለቲካ ገሊፆም፡፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ንድምፂ ኣመሪካ ቃለመሕትት ዝሃቡ ሓለፍቲ ተቓወምቲ ውድባት ፖለቲካ፣ ብሰንኪ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ቅልውላው ናብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ተንቀሳቒስና ምስ ህዝቢ ክንዛተ ኣይከኣልናን ኢሎም፡፡