ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞን መላእ ኢትዮጵያ ሓድነት ፓርቲን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ናብ`ቲ ኣብ በዓል ኢሬቻ ዝነበረ ህዝቢ፡ ዘንብዕ ጋዝ ንምጥቃም ዘገድድ ኣይነበረን ኢሎም።
ኣዲስ ኣበባ —
ኣብ አከባብራ በዓል ኢረቻ ንዝጠፍአ ህይወት ንመንግስቲ ተሓታቲ ዝገበረ ናይ ኦሮሞ ፈደራሊስት ኮንግረስ እቶም ነዚ እኩይ ተግባር ዝፈጸሙ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ አለዎም ኢሉ’ሎ።
Your browser doesn’t support HTML5
ነዚ እኹይ ተግባር ዝፈጸሙ ሓይልታት መንግስትን ትእዛዝ ዝሃቡ ሰበ-ስልጣንን ኣብ ቕድሚ ሕጊ ተሓተቲ ክኾኑ ነተሓሳስብ ይብል።
ኣቦ-መንበር’ቲ ፓርቲ ዶ/ር መረራ ጊዲና ንድምጺ ኣሜሪካ ኸምዝሓበሮም ኣብ’ቲ በዓል ዝተረኽቡ ሰባት ንብረት አየዕነውን ኻልእ ዘይሕጋዊ ተግባራት’ውን ኣይፈጸሙን ኢሎም። ስለዚ ዘንብዕ ጋዝ ዘተኹስ ኹነታት ኣይነበረን ኢሎም።
ምሉእ ትሕዞ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።
Your browser doesn’t support HTML5