ኦፕን ቴክኖሎጂ ማይ 116 መናእሰይ ብሞያ ስራሕቲ መስኖ ኣሰልጢኑ

GRADUATES

ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለ ዝርከብ ኦፕን ቴክኖሎጂ ማይ ዝተብሃለ ትካል ምስ ማይን መስኖን ዝተዛመደ ክእለት ዘጥረዩ 360 መናእሰይ ኣሰልጢኑ’ሎ፡፡ ካብ ውሽጢ እዚኦም እቶም 116 ብስራሕቲ መስኖ ተግባራዊ ስልጠና ዝጨበጡ እዮም፡፡

ሓላፍን ወናንን እቲ ኮለጅ ኣይተ ኣበራ መስፍን ብዛዕባ እዚ እንትዛረቡ 42 ተምሃሮ ብናፃ 316 ድማ 50 ሚኢታዊ ታሓጊዞም ዝተምሃሩ እዮም ይብሉ፤ ነዚ ድማ እቲ ኮለጅ 1.4 ሚልዮን ቕርሺ ወፃኢ ከምዝገበረ ይገልፁ፡፡ ኣይተ ኣበራ ትካሎም ልዕሊ ኹሉ ኣብ ልምዓት ሓይሊ ሰብ ጠመተ ሂቡ ይሰርሕ ምህላዉ ተዛሪቦም ኣለዉ፡፡

እቶም ተምሃሮ በቲ ሞያ እኹል ዓቕሚ ከምዘጥረዩ ገሊፆም፤ ናብ ገጠር ወፊሮም ንኽሰርሑ ድማ ብምሉእ ድልየት ከምዝተሰናድኡ ኣፍሊጦም እዮም፡፡ እቲ ኮለጅ ዝግባእ ሞያዊ ዕጥቂ ከምዘስነቖም ድማ እቶም ምስ ድምፂ ኣመሪካ ቃለ ምልልስ ዘካየዱ ኣርባዕተ ተምሃሮ ይገልፁ፡፡

Your browser doesn’t support HTML5

ኣዳምጹ