ኦሚክሮን ብስፍሓት ይምሓላለፍ ዘሎ ግን ውሑድ ክፋእ ዘለዎ ኢሉምዎ ምንስቴር ጥዕና ደቡብ ኣፍሪካ

  • ገብረ ገብረመድህን

ምንስቴር ጥዕና ደቡብ ኣፍሪካ ኦሚክሮን ብዝለዓለ ደረጃ ዝመሓላለፍ ጭጋረት ኮሮናቫይረስ ግን ብዙሕ ጉድኣት ዘየውርድ ይመስል ክብሉ ኣረጋጊፆም።እቶም ምንስቴር ዶክተር ጆ ፋላ ኦሚኮርን ንህፃውንቲ ብበዝሒ ዘሕምም ዝብል ቅድም ኢሉ ዝነበረ ሻቐሎት መረጋገፂ ዘይብሉ እዩ ኢሎም።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ትማሊ ሓሙስ ልዕሊ 22,000 ሰባት ብኮቪድ 19 ተታሒዞምኣለው።እዚ ቅድም ኢሉ ማዕልታዊ ይምዝገብ ካብ ዝነበረ ብዕፅፊ ዝዓበየ እዩ።

ምንስቴር ጥዕና ጆ ፋላ ሎማዕንቲ ዓርቢ ኣብ ዝሃቡዎ ሪኢቶ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተረኽበ ጭጋረት ኦሚክሮን እታ ሃገር ናብ ራብዓይ ማዕበል ለበዳ የእትዋ ኣሎ ኢሎም።

ካብ ጭጋረት ደልታ ብዝዓበየ ደረጃ ኦሚክሮን ዓብላላይ ኮይኑ ኣሎ ኢሎም።

ኦሚክሮን ንዝተኸተቡ ወይ ቅድሚ ሎሚ ብኮቪድ 19 ሓሚሞም ዝነበሩ ይሕዝ እዩ ዘሎ።

ትማሊ ሓሙስ ልዕሊ 450 ሰባት ሆስፒታል ኣትዮም ኣለው።ፋላ ከምዝበሉዎ ግን ድሮ ብዝተኣከበ መረዳእታ ኣሚክሮን ከምቶም ቅድሚ ሎሚ ዝነበሩ ጭጋረታት ከቢድ ዘይክኸውን ይኽእል ይብሉ።

ከቢድ ሕማም ተባሂሉ ዝግለፅ ሰባት ብሰንኪ እቲ ሕማም ሆስፒታል እንተኣትዮም፣ኦክሲጅን ወይ ሓጋዚ መተንፈሲ እንተተጠቒሞም ወይ እንተሞይቶም እዩ።

በዝሒ ሓሚሞም ናብ ሆስፒታል ዝኣትው ቆልዑ ወሲኹ ብዝብል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰበስልጣን ስኽፍታቶም ገሊፆም ነይሮም።

ፋላ ከምዝበሉዎ ግን ኦሚክሮን ከምቶም ናይ ቅድሚ ሎሚ ጭጋረታት ኣብ ህፃውንቲ ከቢድ ናይ ምትንፋስ ፀገም የሕድሩ የለውን።

ካብ ናይ ሆስፒታል ክትትል ከምኡ እውን ካብ ናይ ህዝብን ውልቅን ሆስፒታላት ዝተረኸበ ናይ መጀመሪያ መረዳእታ ዝሕብሮ ብካልኦት ምኽኒያታት ናብ ሆስፒታ ዝኣተው ቆልዑ ብበዝሒ ተመርሚሮም ኦሚክሮን ኣይተረኸቦምን ኢሎም።

ንማእኸላይ ተሓከምቲ እቶም ምንስቴር ከምዝበሉዎ ካብ ሓካምይ ብዝተረኸቡ መረዳእታት ምልክታት ናይ ኣሚክሮን ካብ ናይ ጉሮሮ ምኽርካር፣ሰዓል፣ረስኒ፣ክሳብተቕማጥን ተምላስንየጠቓልል።

ብከቢድ ዝሓመሙ ዘይተኸተቡ ክኾኑ ከለው እንተወሓደ 70ምእታዊ ናብ ሆስፒታል ይኣትው።እዚ ሰባት ክኽተቡ መንግስቲ ንዘቕርቦ ፃውዒት ዘረጋግፅ እዩ።

ዶክተር ሚሽለ ግሩም ኣብ ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ተመሓላለፍቲ ሕማም ትሰርሕ።

ዝበዝሑ ናብ ሆስፒታል ይኣተው ዘለው ዘይተኸተቡ ሰባት እዮም።ኣብ ክታበት፣ምሽፋን ማስክ፣ማሕበራዊ ምፍንታትን ካብ ዓብይ ምትእኽኻብ ምርሓቕን ንናይ ህዝቢ ጥዕና ኣየናይ ከምዝሰርሕ ዝተረዳእና ይመስለኒ ኢላ።

ዛጊድ ፍርቂ ደቡብ ኣፍሪካዊያን ኣባፅሕ ፈላማይ ክታበቶም ኣይረኸቡን።

ፋላ ክታበት ኣይንወስድን ንዝብሉ ሰባት ንፁር መልእኽቲ ኣለዎም።

‘’ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ንዝርእዩዎ ከይሰምዑ ክነተሓሳስቦም ንፈቱ።ኩሎም ፀረ ክታበት ተረኻት ኣይት ስምዑ።ብዘይ ውዓል ሕደር ነቲ ቫይረስ ብምውሳድ ንርእስኹም ተኸላኸሉ’’ ኢሎም።

ኦሚክሮን ይጋፋሕ ኣብዘለሉ ደቡብ ኣፍሪካ ሕዚ መሐየሊ /Booster/ ክታበት ኣፅዲቓ ኣላ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኦሚክሮን ብስፍሓት ይምሓላለፍ ዘሎ ግን ውሑድ ክፋእ ዘለዎ ኢሉምዎ ምንስቴር ጥዕና ደቡብ ኣፍሪካ