እቲ ሓደ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሓድነት ንቃለስ ክብል ከሎ፡ እቲ ኻልእ ንመሰል-ርእሰ ውሳነ ኢና ንቃለስ ይብል
ብጀነራል ከማል ገልቹ ዝምራሕ ጉጅለ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ሓዲሽን ታሪኻውን ዝበሎ መግለጺ፡ ምስ ኻልኦት ሓይልታት ተቓውሞ ብምዃን ኣብ ትሕቲ ጽላል ሓድነት ኸምዝቃለስ ኣፍሊጡ`ሎ።
ንነዊሕ ዓመታት ብኣቶ ዳኡድ ኢብሳ ዝምራሕ ጉጅለ ብወገኑ፡ ሕቶ ህዝቢ ኦሮሞ ዝተፈለየ ስለዝኾነ ቃልስና ክሳብ ናጽነት ዝበጽሕ መሰል ርእሰ-ውሳነ ዘፍቅድ`ዩ ኽብል መርገጹ ዳግም ኣረጋጊጹ`ሎ።
ምስ ክልቲኦም ዝተገብረ ክትዕ ኻልኣይ ክፋል ተኸታተሉ፡