ምስ ወናኒት ኣብ ኦክላንድ ካሊፎርንያ ዝርከብ `ኣዲስ ረስቶራንት ` ሰላም ርእሶም

  • ተወልደ ወልደገብረኤል

Your browser doesn’t support HTML5

ምስ ወናኒት ኣብ ኦክላንድ ካሊፎርንያ ዝርከብ `ኣዲስ ረስቶራንት ` ሰላም ርእሶም

ኣብ 2010 ናብ ኦክላንድ ካሊፎርንያ ዝመጸት ሰላም ርእሶም፡ በይና ኮይና ቆልዓ ክተዕቢ ከቢድዋ`ኳ እንተነበረ ድሒሩ ግን ትምህርቲ`ውን እናኸደት ነቲ ከም ኣተኣናጋዲት ኮይና ትሰርሓሉ ዝነበረት ቤት መግቢ ኣዲስ፡ ክትውንኖ በቒዓ።

ገና ኣብ እግሪ ተኽሊ ንግዲ ከላ ለበዳ ኮቪድ-19 መጽዩ ከቢድ ፈተና ኮይንዋ`ኳ እንተነበረ፡ ኣገባብ `መግቢ ሒዝካ ምኻድ` ተጠቒማ ዳግም ክተበራብሮ ምኽኣላ`ውን ትገልጽ።

ሎሚ ቤት መግቢ ኣዲስ ብምሉእ ዓቕሙ ካብ ምስራሕ ሓሊፉ፡ ንኣመሪካውያን ምስ ባህልታት ኤርትራን ኢትዮጵያን`ውን ኣብ ምልላይ ልዑል ተራ ይጻወት ከም ዘሎ ሰላም ትገልጽ።

ኣብ ጥቓ በርክሊ ዩኒቨርሲቲ ዝርከብ ቤት መግቢ ምዃኑ ድማ ምስ ተመሃሮ ምትእሳሳር ከሓይል ክኢሉ`ሎ።