”ሞት እቶም ኣብ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ማሌዥያ ዝነበሩ 298 መንገደኛታት፣ኣዝዩ ዘቁጥዕን ክትዛረበሉ ዘይካኣልን‘ዩ” ኢሎም ፕረዚደንት በራክ ኦባማ።
ሓደ ካብ‘ቶም ግዳያት ኣሜሪካዊ ክኸውን ከምዝኽእል‘ውን ይዝረብ‘ሎ።
ፕረዚደንት ኦባማ፣ባይቶ ፀጥታ ሕ/ሃ ምርመራ ንክጅመር ወሲኑ‘ሎ፣ሩስያን ካልኦት ሃገራትን‘ውን ክተሓባበራ ፀዊዖም።
እዚ ከም‘ዚ‘ሉ ከሎ፣እታ 298 ሰባት ኣሳፊራ ካብ ኣምስተርዳም ናብ ኩላልምፑር ትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ዘጋጠማ ሓደጋ ንክፃረ መራሕቲ ዓለም ይፅውዑ‘ለው።
Your browser doesn’t support HTML5
ንሙሉእ ፀብፃብ ኣዳምፁ