ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ብሃገራዊ ትካል ስለያ ክካየድ ንዝፀንሐ ሰፊሕ ተግባር ስለያ ንምምሕያሽ ትልሚ ዒላዊ ገይሮም። ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ንህዝቢ ኣሜሪካ ብቐጥታዊ ቴሌቭዥን ኣብዘስምዕዎ መደረ ናይ ስልያ ትካላት የጋጥሙ ምስ ዘለው ፈተናታት ብዝጥዕም ንዓሰርተታት ዓመትታ ክጥቀማሉ ዝፀንሓ ታክቲካት ስለያን ምርመራን ክቕይራ ኣለወን ኢሎም። ሓድሽ መስርሕ ዕላዊ ምጋብሮም ብምግላፅ ብዙሕ ክስራሕ ከምዘለዎ እውን ይርዳእ እየ ኢሎም።እዚ ነካይዶ ዘለና ኽርክር ዝበለፀ ከጠንክሮ እዩ ምስ በሉ ፕሬዝዳንት ኦባማ ኣስዒቦም ‘’ኣብዚ ናይ ለውጢ እዋን ዩናይትድ ስቴትስ መሪሕነት ክትወስድ ኣለዋ’’ኢሎም።ከምዚ ዝበለ ኽርክር ኣብ ቻይናን ሩሲያን ክካየድ ትፅቢት ኣይገብርን ምስበሉ ፕሬዝዳንት ኦባማ ኣሜሪካ ዝተፈለየ ደረጃ ዝሓዝናሉ ምኽንያት ንውልቃዊ ሓበሬታን ኽብርን ኣብ ምክልኻል ቅድሚት ንስራዕ ስለዝኾና እዩ ኢሎም።ኢንተርኔት ዝፈጠርና ሃገር ከም ምዃንና ዓለም ዲጂታዊ ምዕባለ መንግስቲ ንኽቆፃፀር ከይኮነስ ንውልቀሰባት ንምጥንኻር ይውዕል ምህላው ንኽነረጋግፅ ትፅቢት ይገብረና እዩ ኢሎም። |