ፕረዝደንት ኦባማ ኣብ ድሮ’ቲ ዋዕላ ንጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ እቲ ሓደገኛ ስግኣት ንደሕንነትን ሰላምን ዓለም ምርባሕን መሰረታዊ ምጥቓምን ኑክለራዊ ኣጽዋር ምዃኑ ገሊጾም። ብተወሳኺ ንሶም ዋና ዕላማ’ቲ ዋዕላ ግብረ-ሽበራዊያን ኣጽዋር ኑክልየር ከይውንኑን ከይጥቀሙን ምክልኻል ምኳኑ ሓቢሮም።
ቅድሚ ናብ መዝነት ምምጽኦም ኣትሒዞም ደሕንነት ኑክልየር ቀንዲ ዛዕባ ፖሊስ ወጻኢ ጉዳያት ክኸውን ዝገበሩ ፕረዝደንት ኦባማ ኣብ 2009 ዓ.ም.ፈ ናብ ስልጣን ምስ መጹ ድማ ኣብ ፕራግ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ነዚ ብወግዒ ሓቢሮም። ንሶም ኣሜሪካን ሩስያን 90 ሚእታዊት ካብ ኣጽዋር ኑክልየር ዓለም ከምዝውንናን እዘን ሃገራት ነቲ ዝውንነኦ እኩብ ኣጽዋር ንመጻኢ ዘጉድላሉ መንገዲ ክዳለዋ ከም ዘለወን ዝገለጹ’ካ እንተኾነ ሩስያ ግን ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዋዕላ ኑክልየር ኣይትሳተፍን።
ወሃቢ ቃል ዋይት ሃውስ ጆስ ኤርነስት ሩስያ ምስ ኢራን ኣብ ዝተካየደ ስምምዕ ኑክልየር ግን ኣገዳሲ ተራ ከምተጻወተት ገሊጾም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝተጋበአ ሰለስተ ዋዕላታት ኑክልየር 2010 ዓ.ም ኣብ ዋሽንግተን፡ 2012 ዓ.ም ኣብ ሶል፡ ኣብ 2014 ዓ.ም ኣብ ዘ ሄግ ንልዕሊ 13 ሃገራት ንታይዋን ወሲኹ ንዝአከብዎ ዩራንየም ዝተባህለ ንጥረ-ነገር ከጉድሉ ምስምማዖም ዝሓበሩ ወሃቢ ቃል ዋይት ሃውስ: ብተወሳኺ ኣብ እዞም ዋዕላታት ሃገራት ኣብ ምጉዕዓዝን ምእካብን’ቲ ንምስራሕ ኑክልየር ዘገልግል ንጥረ-ነገር ኣብ ምክትታል ክክተልዎ ዘለዎምን ትሕቲ-ቕርጺ ንምድላው ከምዝሓገዘ ገሊጾም።
ሓንቲ ካብ ተሳተፍቲ እዚ ዋዕላ ኑክልየር ዝኾና ኒኮላስ ሮዝ ተሓጋጋዚ ተመራማሪት ኣብ ሃርቨርድ ዩኒቨርሲቲ በልፈር ማእከል ሳይንስን ዓለም-ለከ ጉዳያትን ብዛዕባ ኣገዳስነት እዚ ዋዕላ ድሕሪ ምግላጽ ኣብዚ እዋን’ዚ ዓለም ካብቲ ኣብ ምጅማር እዞም ዋዕላታት ካብ ዝነበረ ስግአት ግብረ-ሽበራ ኑክልየር ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከምትርኸብ ከምዘይጠራጠራ ገሊጸን።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
Your browser doesn’t support HTML5
ፕረዝደንት ኦባማ ናይ መወዳእታ ዋዕላ ኑክልየር ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ የካይዱ
Your browser doesn’t support HTML5
ፕረዝደንት ኦባማ ናይ መወዳእታ ዋዕላ ኑክልየር ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ የካይዱ