ፕረዝደንት ባራክ ኦባማ ብዛዕባ መጻኢ ኣሜሪካ ትስፍው ምዃኖም ገሊጾም

  • ዜና ቪኦኤ
ፕረዝደንት ኦባማ ትማሊ ንመወዳእታ ጊዜ ምስ ጋዜጠኛታት ኣብ ዘካየድዎ ሕቶን መልሲ ብዛዕባ መጻኢ ኣሜሪካ ትስፍው ምዃኖም ገሊጾም እንተኾነ ኣብታ ሃገር ዘሎ ምክፍፋል ንእምነ ኹርናዕ ክብርታት’ታ ሃገር ከይብሕጉግ ከምዝሰግኡ ገሊጾም።

ብተወሳኺ ፕረዝደንት ኦባማ ምስ ምሩጽ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ ዘኻየድዎ ምይይጥ’ውን ተዛሪቦም።

ፕረዝደንት ኦባማ ምስ ናይ ዋይት ሃውስ ሪፖርተራት ኣብ ዘካየድዎ ናይ መወዳእታ ሕቶን መልስን መግለጺኦም ንመጻኢ ፕረዝደንት ምኽሮም ድሕሪ ምሃብ እቲ ናይ መወዳእታን ዝዓበየን ግደ ግን ናይ ምሩጽ ፕረዝደንት ትራምፕ ጉጅለ እዩ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ፕረዝደንት ባራክ ኦባማ ብዛዕባ መጻኢ ኣሜሪካ ትስፍው ምዃኖም ገሊጾም