ተንተንትን ተሓለቕትን ኣሜሪካ ንትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪካ ብዙሕ ጠመተ ኣይትህብን ክብሉ ይነቕፉ

አቡኦም ንፕሬዝዳንት ኦባማ ኬንያዊ ምኳኖም ኣብ ግምት ብምእታው እዚ ንገሊኦም ኣይውሓጠሎምን።

ፕሬዝዳንት ኦባማ ናይ እዋኑ ናይ መወዳእታ ዓመት ናይ ስልጣን ዘመኖም ኣብ ዘብቅዐሉ እዛ ዓመት ዳግም ንምምራጽ ዝገብርዎ ፈተነ ሓዊሱ ብዙሓት ትንፋስ ዘይህቡ ጉዳያት አጋጢምዎም እዮም።አፍሪካዊያን ተንተንትን ንኣፍሪካዊያን ዝጣበቑ ወገናትን ግን ንትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪካ ዘቕንዐ ፖሊሲ ብዙሕ ከምዘየለ ይዛረቡ።አቡኦም ንፕሬዝዳንት ኦባማ ኬንያዊ ምኳኖም ኣብ ግምት ብምእታው እዚ ንገሊኦም ኣይውሓጠሎምን።

ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ኦብ ቐረባ እዋን ንኽልቲኡ አብያተ ምኽሪ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብዛዕባ ትሕቲ ሰሃራ አፍሪካ ዋላ ሓንቲ አየልዐሉን።አብ ዋሽንግተን ዲሲ አብዝርከብ አሜሪካን ዩንቨርስቲ መምህር ዝኾኑ ጋናዊ ፕሮፌሰር ዋኩ ኑዋማህ በዚ አይተገረምኩን ይብሉ።ምኽንያቱ ድማ ኣፍሪካ ኣብ ዋሽንግተን ዓብይ ቦታ የብላን ይብሉ።

ሰበስልጣን ዩናይትድ ስቴትስ ግን አብ አፍሪካ አብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ዘመዝገብዎም ዓወታት ኣጉሊሆም ይዛረቡ።እዚኦም እውን ደቡብ ሱዳን ዝሓለፈ ዓመት ሓዳስ ሃገር አብ ዝኮነትሉ እዋን ናይ ዲፕሎማሲ ሓገዝ ምሃብ፡ አብ ቀርኒ አፍሪካ ንዘጋጠመ ድርቂ ንምምካት ንሚሊዮናት ግዳያት ረድኤት ምቕራብን ኤዲስን ካልኦት ሕማማትን ንምምካት ዓበይቲ ተበግሶታት ምውሳዶምን ሕዚ’ውን ምቕፃሎምን ብምሕባር ኣብ ኣፍሪካ ዝሰርሑዎም ዓበይቲ ጉዳያት መዃኖም ይገልፁ።