ክሳብ`ዛ መወዳእታ ዓመት 10 ሺሕ ሰራዊት፡ ክሳብ ንዓመታ ከረምቲ ኸኣ 33 ሺሕ ኣመሪካውያን ካብ ኣፍጋኒስታን ንዓዶም ክምለሱ`ዮም።
ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብ`ዚ እዋን`ዚ 100 ሺሕ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣለዉ። ኩናት ኣፍጋኒስታን ዳርጋ 10 ዓመት ጌሩ`ሎ።
ምኽንያት ምውጻእ ሰራዊት ክገልጹ ኸለዉ፡ ሓይልታት U.Sን ኔቶን ኣብ ልዕሊ ጣሊባን ዝያዳ ሓይሎም ስለዝወጹ`ዩ ኢሎም። “ወተሃደራትና ብቐጻሊ ኣብ ነውጽኣሉ እዋን፡ ሓይልታት ኣፍጋኒስታን ሓላፍነት እናተረከቡ ክኸዱ`ዮም”።
ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርከቡ ወተሃደራት ኣመሪካ ክሳብ 2014 ጠቕሊሎም ክወጹ`ዮም።
ፕረዚደንት ኦባማ ነዚ ምውጻእ ሰራዊት ዘፍልጡ ዘለዉ፡ ኣብ ውሽጢ U.S ብሰንኪ ዘሎ ኤኮኖሚያዊ ጸገማት፡ ኣንጻር`ቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝካየድ ኩናት ዘሎ ስምዒት እናሓየለ ኣብዝኸደሉ ዘሎ እዋን`ዩ።