እስራኤል ኣብ ምምሕዳር ፍልስጤማውያን ዝነበረ ናይ ኖርወይ ዲፕሎማሲያዊ ህላወ ክትስርዞ ምውሳና መጠኑ ዝሓለፈ ወሳነ`ዩ፡ ከምኡ`ውን ሳዕቤታት ዝወልድ`ዩ ክብል ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኖርወይ ሓቢሩ።
ብመሰረት ጸብጻብ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኖርወይ ኤስፐን ኤዲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እስራኤል ዝወሰደቶ ስጉምቲ ምስ መንግስቲ ኔተንያሁ ዘለና ዝምድና ሳዕቤን ከምጽኣሉ`ዩ ኢሉ።
እስራኤል፡ ኖርዌር ኣንጻር እስራኤል ብዘለዋ ባህርያት ምኽንያት ኣብ ምምሕዳር ፍልስጤማውያን ዘለዋ ዲፕሎማሲያዊ ተልእኮ ክትስእኖ እያ ክብል ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ኣፍሊጡ።
ኣንጻር እስራኤል ጠባያት ምርኣይ ሳዕቤናት ኣለዎ`ዩ ዝበለ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል፡ ኖርወይ ንመንግስትነት ፍልስጤማዊያን ኣፍልጦ ምሃባን፡ ወተሃደራት እስራኤል ገበናት ኩናትን ጸረ-ሰብኣውነትን ፈጺሞም ዝብል ብናይ ሕቡራት ሃገራት ዝተበገሰ መጋባእያ ገበናት ምድጋፋን ድማ ካብቲ ጠንቂ `ዩ ኢሉ።
ዝሓለፈ ግንቦት`ውን እስራኤል ኣብ እየሩሳሌም ዘሎ ቆንስል ስፔን ንፍልስጤማውያን ኣገልግሎት ከይህብ ኣጊዱ`ዩ። እዚ ድማ ስፔን ንመንግስትነት ፍልስጤማዊያን ኣፍልጦ ብምሃባ ከም መቕጻዕቲ ዝተወስደ ስጉምቲ`ዩ። ስፔን፡ ኣየርላንድን ኖርወይን ንመንግስትነት ፍልስጤማውያን ኣፍልጦ ድሕሪ ምሃበን ካብ እስራኤል ሓያል ነቐፈታ ከም ዝመጸን ይፍለጥ።