ባህርዳር —
ደሕንነት እቶም ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ ኣብ ጥቃ ገርበ ጉራቻ ክልል ኦሮምያ ብዕጡቓት ዝተጨወዩ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ደባርቅ ከምተሓሳሰቦም፣ ኣብ’ዚ ቀረባ ገንዘብ ከፊሎም ነጻ ምውጽኦም ዝገልጹ ተማሃሮ ሓቢሮም።
ንድሕነትና ንሰግእ ኢና ብምባል መንነቶም ክዕቀበሎም ዝሓተቱ ተማሃሮ ብዕጡቃት ሸኔ ተጨውዮም ከምዝቀነዩን፣ ካብ 300 ክሳብ 400 ሽሕ ቅርሺ ገንዘብ ተኸፊሉሎም ናጻ ከምዝወጹን ይሕብሩ።
ኣብ ዝተጨወይሉ እዋን ብዙሕ ማህረምቲን ምግልታዕን ከምዘጋጠሞም ዝሕብሩ ተማሃሮ፣ ሎሚ’ውን ኣብ ትሕቲ’ቶም ጨወይቲ ኣለው ዝብልዎም 67 ተማሃሮ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ስቃይ ኣለው ብምባል ኩነታቶም ከምዘተሓሳስቦም ገሊጾም።
እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ መናእሰይ ወላይታ ሶዶ ነቶም ዝተጨወዩ ተማሃሮ ንምፍታሕ ገንዘብ የትኣኻኽቡ ከምዘለው ዝመጸ ዜና ሓቢሩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ መብዛሕተኦም ዝተጨወዩ ከምዘፍተሐ ገሊጹ እዩ። ገንዘብ ተኸፊሉልና ኢና ተፈቲሕና ዝብሉ ተማሃሮ ግና መንግስቲ ነቶም ዝተጨወዩ ናጻ ንምውጻእ ዝገበሮ ጻዕሪ የለን ይብሉ።
መንግስቲን እቶም ተማሃሮን ‘ሸኔ’ ኢሎም ናይ ዝገልጽዎ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ወሃቢ ቃል ብወገኑ እቲ ይዝረበሉ ዘሎ ጭወያ ከምዘይፈጸመን፣ ብኣንጻሩ ‘ድኽመት መንግስቲ እዩ ተሓታቲ’ ከምዝበለ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዘዳለወቶ ጸብጻብ ትሕብር።