ኣዲስ ኣበባ —
ዞባ ሰሜን ጎንደር ኣብ ዝርከብ መዓስከር ኣለምዋጭ፡ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ዝሓለፈ ቀዳምን ሰኑይን ብዝፈነውዎ መጥቃዕቲ ሓደ ሰብ ከም ዝተቐተለን 10 ሰባት ድማ ከም ዝቖሰሉን ኣብቲ መዓስከር ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ገሊፆም።
ነቲ ብስደተኛታት ዝተዋህበ ሓበሬታ ዘረጋገፀ ናይቲ ከባቢ ምምሕዳር ብወገኑ፡ ነቲ መዓስከር ዝከታተሉ ሓይልታት ፀጥታ ምውፋሩ ይገልፅ። እዚ ዝደሓረ መጥቃዕቲ ሓዊስካ፡ ኣብዚ መዓስከር ቅድሚ ሎሚ’ውን ተመሳሳሊ መጥቃዕታት ከጋጥም ጸኒሑ'ዩ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ኣብ ርእሲ'ዚ ንምርኣይ መዓስከር ኣለምዋጭ -- ዕጡቓት 1 ሰብ ቀቲሎም 10 ካልኦት ኣቝሲሎም