ክልተ ኮርያታት ታሪኻዊ ስምምዕ "ኣዋጅ ፑንሙንጃብ" ከቲመን

ድሕሪ ኣስታት 60 ዓመታት ሰሜንን ደቡብን ኮርያ ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእ ዘብጽሐ ስምምዕ ኣዋጅ ፑንሙንጃብ ከቲመን።

እቲ ስምምዕ ብመራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ማለት ፕረዚደንት ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡንን ደቡብ ኮርያዊ መዘንኦም ፕረዚደንት ሙን ጃኢን ዝተኸተመ ክኸውን እንከሎ: ሓውሲ ደሴት ኮርያ ካብ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ናጻ ክኸውንን ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ወጥሪ ፎኺሱ ናብ ሰላም ከምርሕን ዝርከቦ እዩ።

Your browser doesn’t support HTML5

ዘተ መራሕቲ ደቡብን ሰሜን ኮርያ

እቲ ትማሊ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝተኻየደ ብመራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ዝተኻየደ ታሪኻዊ ርክብ ኣዋጅ ፑንሙንጃብ ዝተጸውዐ መዘክር ወግዓዊ ገይሩ ኣሎ።

ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ሙን ጃኢን " ኣነን ፕረዚደንት ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡንን ቀንዲ ዕላምኡ ናጻ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ሓውሲ ደሴት ኮርያ ክንትግብር ኣረጋጊጽና" ኢሎም።

ፕረዚደንት ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ብወገኖም ንኹሉቲ ሕጂን ኣቐዲሙ ዝተበጽሐን ስምምዓት ብምትግባር ናብ ምምዕባል ዝምድናንን ምዕባለን ዘምርሕ መሰጋገሪ መድረኽ ክንከፍት ወሲና ኣለና ኢሎም።