ነጋዶ፡ ገዛእቲ(ሸማቶ)ን ሓረስቶትን ሰለስተ ሃገራት ሰሜን ኣመሪካ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ልዕሊ ካናዳን መክሲኮን ናይ 25 ሚእታዊት ወሰኽ ግብሪ ክግብር ድሕሪ ምእዋጁ ኣብ ተጠንቀቕ ኣለው። እዚ ዓመታዊ ናይ 1.6 ትሪልዮን ዶላር ንግዲ ከመዛብዕ ዝኽእል ንግዳዊ ልውውጥ፡ ጽባሕ ቀዳም ተግባራዊ ከምዝኸውን'ዩ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣቐዲሙ ሓቢሩ።
መክሲኮን ካናዳን ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ዜጋታትን ኣወላፊ ዕጸ-ፋርሳትን ናብ ኣመሪካ ከይሰግር እንተ ዘይሰሪሐን፡ ካብ ቀዳም ጀሚሩ እቲ ናይ 25% ወሰኽ ግብሪ ክትግበር ምዃኑ’ዩ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ይገልጽ።
ኣብ ልዕሊ ቻይና’ውን ተወሳኺ ናይ 10% ወሰኽ ግብሪ ክህሉ ምዃኑ ፕረዚደንት ትራምፕ ትማሊ ሓሙስ’ውን ደጊሙ ሓቢሩ'ሎ።
ትራምፕ ቃሉ ክፍጽም እንተዀይኑ፡ ብቐንዱ ነቲ ወሰኽ ግብሪ ብሓደ ዲዩ ወይስ በብእብረ ክግብሮ ዛጊት ኣይተንጸረን። እንተዀነ ትማሊ ሓሙስ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ካብ ካናዳን መክሲኮን ዝኣቱ ዘይተጻረየ ነዳዲ ዝተፈልየ ኣተሓሕዛ ክገብር ከም ዝኽእል ኣመልኪቱ ኣሎ። ኣመሪካ ካብዘን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት እተእትዎ ዘይተጻረየ ነዳዲ ካብ ቀዳሞት ሓሙሽተ ዝለዓሉ ምልውዋጥ ንግዲ ዝግበረሎም ምዃኖም’ዩ።
ንወሰኽ ግብሪ ወግዓውነት ንምግባሩ ፕረዚደንት ትራምፕ ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ክእውጅ ከም ዝኽእል ምስቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ወገናት ይገልጹ። ካብቶም ትራምፕ ኣተኲሩ ዝዛረበሎምን ንጥዕና ኣመሪካውያን ዓቢ ጉድኣት ከም ዘምጽእ ዝገልጽ ጉዳይ ፍነታንዪል ዝብሃል መድሃኒት’ዩ። እዚ ድሒሩ ጥዕናዊ ቅልውላው ዝተሰምየ፡ ኣብ 2023 ክሳብ 75-ሽሕ ዝበጽሑ ኣመሪካውያንን ነበርቲ ኣመሪካን ምቕታሉ መዛግብቲ ይነግሩ። ንመፍረ እዚ ዘይሕጋዊ መድሃኒት ቻይናን መክስኮን ተራ ከም ዘለወን ይንቀፋ። ንቐረብ እቲ ኣደንዛዚ መድሃኒት ዝኸውን ጥረ-ነገራት ኣብ ሃገራተን ዝፈሪ ኰይኑ፡ ናብ ኣመሪካ ንምእታው እኹል ክልከላ ኣይገበራን ኢሉ ምምሕዳር ትራምፕ ይነቅፍ።
እንተዀነ 30 ዓመት ኣብ ዘቝጸረ ናጻ ንግዳዊ ልውውጥ ሰለስተ ሃገራት፡ ዓቢ ምምዝባዕ ክፈጥር ከም ዝኽእል ክኢልታት ስነ-ቍጠባ የጠንቅቑ። ካብ መክሲኮ ናብ ኣመሪካ ዝኣቱ ፍረታትን ከምኡ’ውን ካብ ካናዳ ዝመጽእ ሓያሎ ስራሓት መካይን ኣብ ዕዳጋ ዓቢ ምምዝባዕ ክፈጥር ዝኽእል’ዩ።
ውዒሉ ሓዲሩ ድማ ውጽኢቱ ኣብ ዜጋታት ክልተ ሃገራት ክርአ’ዩ።
ወሰኽ ግብሪ ኣመሪካ ምስ ዝትግበር፡ ካናዳ ተመሳሳሊ ውሳነ ክትወስድ ምዃና ኣጠንቂቓ ኣላ። ድሮ’ውን ነቶም ካብ ኣመሪካ ዝኣትዉ ብፍሉይ መዝጊባ ትዳሎ አላ። ኵላቶም እዞም ካናዳ መዝጊባቶም ዘላ እቱዋት ኣመሪካ ክሳብ 150 ቢልዮን ዶላር ዝበጽሑ ምዃኖም ኣሶሸይትድ ፕረስ ይሕብር።
ካናዳ ንወሰኽ ግብሪ ኣመሪካ ዝዳረግ ግብረ-መልሲ ክትህብ ምዃና ኣጠንቂቓ ኣላ። ኣቐዲማ ነዚ ጉዳይ ዝኸውን መፍትሒ ከተናዲ ብቐዳማይ ሚንስተር ካናዳ ጃስቲን ትሩዶ ተረቚሓ ድሒራ ግን ካብ መዝነታ ዝወረደት ሚኒስተር ፋይናንስ ነበር ክሪስትያ ፍሪላንድ፡ “ንኣመሪካ ኣብቲ ዝያዳ ከሃስያ ዝኽእል ክንሃርማ ኢና፡” ኢላ። እቲ ሚንስተር ፋይናንስ ነበር ሕጂ ንትሩዶ ንምትካእ ክትወዳደር’ያ።
ኣብ ወርሒ ሕዳር’ውን ፕረዚደንት መክሲኮ ክላውዲያ ሸይንቡማ፡ ንነፍሲ-ወከፍ ወሰኽ ታሪፍ ብወገን ሃገራ’ውን ንዕኡ ዝመጣጠን ግብረ-መልሲ ክህሉ ምዃኑ ሓቢራ ነይራ።
ክሳብ ጽባሕ ቀዳም ሓደ ኣተዓራቒ መፍትሒ እንተ ዘይተረኺቡ እምበኣር፡ ነጋዶን ዜጋታትን ሰለስተ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ምጥምማት ኣለው።