ሰለስተ ተመራመርቲ ዓውዲ ኬሚስትሪ ተዓወቲ ሽልማት ኖበል ኮይኖም

Your browser doesn’t support HTML5

ሰለስተ ተመራመርቲ ዓውዲ ኬሚስትሪ ተዓወቲ ሽልማት ኖበል ኮይኖም

ነቲ ሽልማት ዝህብ ትካል ጠቕላሊ ጸሓፊ ጎራን ሃንሶን ካብ ከተማ ስቶክሆልም ሎሚ ረቡዕ ብዝሃብዎ ሓበሬታ ጃከስ ዱቦችት፡ጃኮም ፍራንክን ሪቻርድ ሄንደራስ ንዓውዲ መለክዩል ስነ ህይወታዊያን ንምምዕባል ብዘበርኸትዎ ስርሓት ዝተሸለሙ ምኳኖም’ውን ሓቢሩ።

ንሳቶም “ሰለስተ መዓዝናዊ ምስሊ” መለክዩል ስነ ህይወታዊያን ብምምሃዞም ዝተሸለሙ ምኳኖም’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

እቲ ትካል ብተወሳኺ በሰንኪ እዚ ምህዞ ተመራመርቲ ንቀመማዊ ባህርይ ስነ ህይወታዊያን ብድራቕ ኣብ ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ክጥቐመሉ ከምዝኽእሉ ገሊጹ፡ እዚ ድማ ኣብ ህይወት ሰባት ዘሎ ቀመማዊ ባህርያትን ንምርዳእን ኣብ ቅመማ መድሃኒትን ዓብይ አበርኽቶ ዝገብር ምኳኑ ኣረዲኦም።