ኢትዮጵያ ህንጸት ናይ ህዳሴ ግድብ ንምዝዛም ኣብ ትቀራረበሉ ዘላ እዋን ስግኣት ጎረባብቲ ሃገራት ይውስኽ ኣሎ

ኢትዮጵያ ምህናጽ ናይ ህዳሴ ግድብ ካብ ትምጅር ሓሙሽተ ዓመታት እንተቆጽረት፡ ጎረባብታ ግብጽን ሱዳንን መጠን ማይ ክንክይ’ዩ፡ ንሕርሻን ኢንዳስትሪን እተን ሃገራት ክሃሲ ይኽእል’ዩ ዝብል ሻቅሎት አለወን።

ኣብ ሓደ ፍታሕ ንምብጻሕ’ውን ልዝባት ቀጺሉ’ሎ ግን ገና ኣብ ስምምዕ ኣይተበጽሓን።

ኢትዮጵያ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ዝጀመረቶ ህንጸት ናይ ህዳሴ ግድብ ክዛዘም ቀሪቡ’ሎ። ግብጺ ህንጸት’ቲ ግድብ ብመሰረት’ቲ ኣብ 1929 ዓ.ም ማይ ናይል ብዝምልከት ዝተገብረ ዓለምለኸ ውዕል ማይ ግዲኣ ክንክይ ይኽእል’ዩ ዝብል ስግኣት ኣለዋ።

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ አልሲሲ ንኢትዮጵያ ቅድሚ ዓመታት ኣብ ዝበጽሓትሉ እዋን ነዚ ስግኣቶም ብግልጺ ተዛሪቦምሉ እዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኢትዮጵያ ህንጸት ናይ ህዳሴ ግድብ ንምዝዛም ኣብ ትቀራረበሉ ዘላ እዋን ስግኣት ጎረባብቲ ሃገራት ይውስኽ ኣሎ