ዋሽንግተን —
ሰበ ስልጣን ናይጀሪያ 2.93 ሚሊዮን ዶላር ዝዋግኡ 19.4 ኪሎ ግራም ኮኮይን ሓሽሽ(ኣደንዛዚ ዕጽ) ሎሚ ሰሉስ ካብ ኢትዮጵያ ብነፋሪት ናብ መዕረፎ ነፈርቲ ሌጎስ ምስ በጽሐ ምትሓዙ ሮይተርስ ሓቢሩ።
ሃገራዊ ኤጀንሲ ኣኽባሪ ሕጊ ሓሺሽ(ኣደንዛዚ ዕጽ) ናይጀርያ ከም ዝገለፆ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዘይሕጋዊ ንግዲ (ኮንትሮባንድ) ተፈሪዱዎ ብመቕፃዕቲ ገንዘብ ካብ ማእሰርቲ ዝወጸ ወዲ 48 ዓመት ናይጀሪያዊ ነጋዳይ ነቲ ሓሽሽ ሒዙ ከም ዝተረኸበ ሮይተርስ ወሲኹ ሓቢሩ።
ኤጀንሲ ኣኽባሪ ሕጊ ሓሽሽ ናይጀርያ ኣብታ ሃገር ምንቅስቓሳት ንግዲ ሓሽሽ ንምቁጽጻር ብቐፃሊ ከም ዝሰርሕ ሓላፊ ናይቲ ትካል ሞሓመድ ቡባ ማርዋ ንሮይተርስ ገሊጹ ።