ጋንታ ናይጀርያ ፅዋዕ ዓለም ተዓዊታ

NIGERIA

ንኣፍሪቃ ዝወከለት ትሕቲ 17 ዝዕድሚኦም ንኡሳት ጋንታ ናይጀርያ ንናይ ሎም-ዘበን ፅዋዕ ዓለም ዓቲራ።

ናይጀርያ ኣብ ግጥም ፅዋዕ መን ዓተረ ኣንፃር ሜክሲኮ‘ያ ተጋጢማ። ተኸላኻላይ ጋንታ ሜክሲኮ ኣጉዌሮ ኣብ ገዛእ ጋንትኡ ሸቶ ብምምዝጋብ ንጎልደን ኤግልስ ትባሃል ጋንታ ናይጀርያ ክትመርሕ ገይሩ።

ተፃወቲ ጋንታ ናይጀርያ ኣከታቲሎም ብዘመዝገብወን ሸቶታት ንተፃወቲ ሜክሲኮ ድሂሎምዎም‘ዮም።እንተኾነ ክንዲ ዝካኣሎም ንምጥቃዕ ፈቲኖም ሓላዊ ማዕፆ ጎልደን ኤግልስ ዴል ኣላምፓሱ ኣምኪንሎም‘ዩ።ዝናኣድ ፈተነታት ገይሮም፣ኣላምፓሱ ብዝናኣድ ጥበብ ኣምኪንወን።

ዋና ጋንታ ናይጀርያ ኣብ‘ቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘተኣናገደቶ ፅዋዕ ኣፍሪቃ ከምዝተዓወተት ዝዝከር‘ዩ።