ናይጀርያ መጥቃዕቲታትን ጭውያን ንምቅላስ ከባብያዊ ፖሊስ ንምምስራት ትምድብ

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ናይጀርያ መጥቃዕቲታትን ጭውያን ንምቅላስ ከባብያዊ ፖሊስ ንምምስራት ትምድብ

ናይጀርያ ነቲ ነታ ሃገር ኣብ ጸገም ኣውዲቕዋ ዘሎ መጥቃዕታት ሚሊሽያታት ጅምላዊ ጭወያን ተግባር ሽፍትነትን ንምቅላሱ ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር ኣብ ዘለዋ 36 ክፍላተ ግዝኣታት ከባቢያዊ ፖሊስ ንምምስራት ትሓስበሉ'ላ።

እዚ ዝምስረት ከባቢያዊ ሓይሊ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ እቲ ዘሎ ልዕሊ 300-ሽሕ ኣባላት ዝሓዘ ሓያል ሃገራዊ ሓይሊ ፖሊስ ምኻኑ እዩ። እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ህውከት ካብ ዓቅሚ እቲ ዘሎ ሃገራዊ ሓይሊ ፖሊስ ንላዕሊ'ዩ ኮይኑ።

ናይጀራዊያን ጥንቃቀ ብዝሓዘለ ስሚዒት ነዚ ሓሳብ ብሓጎስ ተቀቢሎሞ'ለዉ።