ናይጀርያ፡ ኣብ ሓደ መስጊድ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ኣስታት 50 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ሰሜናዊምብራቕ ናይጀርያ ዝርከብ መስጊድ ብዝተኻየደ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቓዕቲ ኣስታት 50 ሰባት ሞይቶም።

እቲ መጥቓዕቲ ሰባት ንናይ ሰዓታት ንግሆ ጸሎት ካብ ሙቢ ዝተባህለ ከባቢ ናብቲ መስጊድ ዝኣትውሉ ዝነበረ ጊዜ ዘጋጠመ ምኳኑ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

Your browser doesn’t support HTML5

ናይጀርያ፡ ኣብ ሓደ መስጊድ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ኣስታት 50 ሰባት ሞይቶም

ነቲ መጥቓዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ አካል እንተዘየለ’ኳ ኣቐዲሙ ኣብታ ሃገር ዘጋጠሙ ናይ ቦኮ ሓራም መጥቓዕቲ ዝመሳሰል ምኳኑ ተገሊጹ’ሎ።

ወሃቢ ቃል ፖሊስ ናይጀርያ ንኣሶሴይትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ቃል እቲ መጥቓዕቲ ኣብ መንጎ ኣብቲ መስጊድ ዝነበሩ ሰባት ብዝነበረ ብሓደ መንእሰይ ዝተፈጸም ምኳኑ ሓቢሩ’ሎ።

ግብረ ሽበራዊ ጉጅለ ቦኮ ሓራም ኣብታ ሃገር ምንቅስቃስ ካብ ዝጀመረሉ ኣብ ውሽጢ ሸሞንተ ዓመታት ልዕሊ 20,000 ሰባት ምቕታሉ ይፍለጥ።