ኣብ ናይጀርያ ብዘጋጠመ ውሕጅ 500 ሰባት ሞይቶም

  • ዜና ቪኦኤ

ፋይል

ኣብ ናይጀርያ ወቅቲ ዝናብ ካብ ዝጅምር ንደሓር ኣብ ውሽጢ 10 ዓመታት ዘጋጠመ እቲ ዝኸፍአ ምዃኑ ብዝተገልጸ ውሕጅ ኣስታት 500 ሰባት ሞይቶም ካልኦት 1.4 ሚልዮን ሰባት ኸኣ ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ኣለው።

ኣዝዩ ብዙሕ ዝናብ ዘስዓቦ ውሕጅን ስንኩፍ ትሕተ ቅርጽን ኣብታ ኣብ ኣፍሪቃ ኣዝዩ ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋ ሃገረ ናይጀርያ ነቲ ኣቐዲሙ ዝጸንሐ ዘይዉሑስ ኩነታት መግብን ዝቅባበ ገንዘብን ከግድዶ ይክእል'ዩ ዝብል ስግኣት ኣሕዲሩ'ሎ።

ሚንስትሪ ሰብኣዊ ጉዳያት እታ ሃገር በቲ ውሕጂ 500 ሰባት ሞይቶም 1,546 ቆሲሎም 42,249 ኣባይቲን 70,566 ሄክታር መሬት ሕርሻን ፈጺሙ ጠፊኡ ክብል ብሰሉስ ገሊጹ።

ኣን ዝቅጽላ ሰሙናትን ኣዋርሕን ተወሳኺ ዝናብ ክ ወ ቅዕ ዩ ዝብል ትጽቢትእሎ።

ኣብ ፳፩፪ ብሰንኪ ውሕጅ ፫፮፫፡ ሰባት ምማቶምን ልዕሊ ፪።፩ ሚልዮን ኸኣ ምምዝባሎም ይዝከር።

ናይጀርያ ካብተን ዝለዓለ ብርኪ ጥምያት ዘልጸላለወን ፮፡ ሃገራት ሓንቲ ያ ክብሉ ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ናይ ሕቡራት መንግስታት ውድብ ምግብን ሕርሻን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምግላጾም ይፍለጥ።