ናይጀሪያ ብሰንኪ ትሑት ደመወዝ፣ረብሓታትን ኩነታት ስራሕን በብዓመቱ ናብ ውሮፓ፣ሰሜን ኣሜሪካን ማእኸላይ ምብራቕን እናኸዱ ኣሽሓት ሓካይም ትስእን ኣላ።ሰበስልጣን ጥዕና ናይጀሪያ ናይታ ሃገር ናይ ኣእምሮ ፍልሰት ጠጠው ንምባል መከሓሐሲ ክፍሊት ንምምሕያሽ ቃል ይኣትውኳ እንተሃለው ወኪልና ቲሞቲ ኢቢዙ ካብ ኣቡጃ ከምፀብፅቦ ግን እዚ እኹል ዘይክኸውን ይኽእል እዩ ይብል።
ናይጀሪያዊ ዶክተር ቺየመዚ ኣብዝሓለፈ ነሓሰ ከይዱ ብዝሓሸ ክፍሊት ይሰርሐላ ካብዘሎ ብሪታኒያ ብዛዕባ ዝተሓተ ኩነታት ስርዓት ጥዕና ናይጀሪያ ከምዚ ክብል ሪኢቱኡ ሂቡ።
‘’ስለ ዝጎሃህኹ እየ ዝወፃእኹ’’ ዝበሉ ንሱ ኣብ ፈለማይ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዕዳ ሒዙ ይሰርሕ ከምዝነበረን ዝኽፈል ወፃኢን ማዕልታዊ ሓላፍነቱን ክዋፃእ ከምዝነበሮ ይዛረብ።
ዶክተር ኢበ ካብቶም ናይ ናይጀሪያ ማሕበር ሓካይም ንዝሓሸ ክፍሊት ናብ ወፃኢ ዓዲ ይኸዱ ኣለው ኢሉ ዝገመቶም 2,000 ሓካይም ሓደ እዩ።ሓካይም ዝኸዱለን ቀንዲ ሃገራት ብሪታኒያ፣ካናዳ፣ስዑዲ ዓረብን ኣሜሪካን እየን።
ምውሓድ ዝምደብ በጀት፣ብሰንኪ ክፍሊት ዝካየዱ ተኸታተልቲ ኣድማታትን ዘይምቹው ፖሊስታት ጥዕናን ከም ጠንቂ ናይ ሓካይም ናይ ኣእምሮ ፍልሰት ይጥቀሱ።
ናይጀሪያዊ ናይ ዓይኒ ሓኪም ኢፈኒ ኡገንዪ ሰብ ሙያ ጥዕና ይወፅሉ ዘለው ምኽኒያት ክፍሊት ጥራሕ ኣይኮነን ይብል።
‘’ክጥቀመሎም ዝኽእሉ ናውቲ ሕክምና ኣብ ዘለሉ ኩነታት ኮይነ እየ ክሰርሕ ዝደሊ’’ ይብል ወሲኹ።
ኣብ መንጎ ሰበስልጣን ናይጀሪያን ማሕበራት ሓካይምን ዝፍጠር ምስሕሓብር ክፍሊት ብተደጋጋሚ ናብ ቅርሕንትን ኣድማን እዮም ዘምርሑ።
ማሕበር ሓካይም ናይጀሪያ ናይ ሓካይም ፍልሰት ምኽኒያት ምንቁልቋል ዘይምምጥጣን ሓካይምን ተሓከምትን እዩ ይብል።ከም ብለሲንግ ኦኩቦር ዝኣመሰሉ ገለ ሓካይም ግን ኣብ ናይጀሪያ ክሰርሑ ይደልዩ።
‘’ኣብ ወፃኢ ዓዲ ናይ ምስራሕ ብዙሕ ዕድል ነይሩኒ ግን ሃገረይን ዘፈር ጥዕናናን ከመሓይሽ እየ ዝደሊ’’ በለ ንሱ ብምውሳኽ።
ኣብዚ ወርሒ ሰበስጣን ናይጀሪያ ሰራሕተኛታት ከይስደዱ ንምሓዝ ደመወዝ ንምውሳኽ ቃል ኣትዮም ኣለው።ክኢላ ጥዕና ኤጂክ ኦርጂ ግን ናይጀሪያዊያን ሓካይም ንምዕቃብ ብስፍሓት ምትሓዝ የድሊ ይብል።
‘’ስርዓት ጥዕናና በርዒኑ እዩ፤ሓያል ፀጋታት የድልየና።ዝርካባ ኣብ ጥቕሚ ንምውዓል እውን ግልፅነትን ተሓታትነትን ክህሊ ኣለዎ’’ ይብል።
ክሳብ ሽዑ ግን ኣሽሓት ናይጀሪያዊያን ሰብ ሙያ ጥዕና ኣብ ወፃኢ ዓዲ ዕድል ስራሕ ንምርካብ ምንዳዮም ክቅፅሉ እዮም።