"ዜና ዘቕረበልኩም ሙዱ ዓሊ'የ"

Your browser doesn’t support HTML5

ን25 ዓመታት ኣብ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ መደብ ቋንቋ ትግርኛ ኣቕራቢ ዜና ኰይኑ ዝሰርሐ ሙዱ ዓሊ፡ ብዙሓት ተዓዘብቲ ዝዝክሩዎ ገፅ’ዩ። ኣብ ማይጨው ተወሊዱ ዝዓበየ ሙዱ፡ ኣብ በበይነን ከተማታት ክልል ትግራይን ድሒሩ ድማ ኣስመራ ኤርትራን ትምህርቱ ዝተኸታተለ’ዩ። ሙዱ ጋዜጠኛ ጥራይ ዘይኰነስ መምህር’ውን’ዩ።