ሓድሽ ዓመት ግእዝ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብድምቀት ይኽበር

  • ዜና ቪኦኤ

ምድላው ንበዓል ኣብ ኣስመራ(ጸጋም)ን ኣብ መቐለን

ሎሚ ረቡዕ ተኸቢሩ ዝውዕል፡ ብኣቆጻጽራ ግእዝ ባሕቲ መስከረም 2017፡ ኣብ መላእ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሰለማዊ ሃዋሁ ምሕላፉ ወኪላት ድምጺ ኣመሪካ ካበየ ቦታኡ ሓቢሮም። ካብ ዘመነ ዮሓንስ ናብ ዘመነ ማቴዎስ ዝተሰጋገረሉ ዓመት፡ ኣብ በበይኑ ከባቢታት ኢትዮጵያ ኲናትን ስእነት ሰላምን ኣብ ዝተራእየሉ፡ ዜጋታት ነዛ ሓዳስ ዓመት ብተስፋን ዝተሓደሰ ተስፋን ይቕበሉዋ ከም ዘለዉ ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ይሕብሩ።

ኣብ ክልል ትግራይ ብሕልፊ፡ እዛ ዝተዛዘመት ዓመት ካብ ድምጺ ጥይት ምርሓቕ ዘተስፉ ምዃኑ ዝሓበሩ ወሃብቲ ርእይቶ፡ ምሉእ ሰላም ክኸውንን ኣብቲ ክልል ኣጋጢሙ ዘሎ ፖለቲካዊ ፍልልይ ድማ ክዓርፍን ተማሕጺኖም።

ኣብ ኤርትራ ብምኽንያት እዚ በዓል ሊቀ ጳጳስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስስትያን ኤርትራ ብጹዕ አቡነ ጴጥሮስ ኣብ ዘሕለፉዎ ናይ መልእኽቲ፡ “ሓድሽ ዓመት መጺኡ ኢልካ ዓመታት ምቝጻር ትርጉም ዘለዎ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ብማየ ንስሓ ተሓጺብና ብፍቕሪ ተሓዲስና ሓድሽ ልብን ኣእምሮን ክህልወና ይግባእ፡” ኢሎም።