ዓለም ንሓድሽ ዓመት 2014 ብድሙቕ ተቐቢላታ

Fireworks explode past the Times Square Ball after it dropped to signal the start of the new year in Times Square, Midtown, New York January 1, 2014. REUTERS/Adrees Latif (UNITED STATES - Tags: SOCIETY) - RTX16YQG

ዓበይቲ ከተማታት ዓለም ንምጅማር ሓደሽ ዓመት 2014 ብርችትን ሙዚቃን ተቐቢለንኦ ኣለዋ።ኣብ ከተማ ኒውዮርክ Times Square ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ኣደባባይ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ህዝቢ ተኣኪቡ ኣኺቢሩዎ።ከተማ ዱባይ ልዕሊ 400 ሽሕ ርችታት ብምውላዕ ክብረ ወሰን ሒዛ’ላ።

ፍርቂ ለይቲ ሰማያት ዓበይቲ ከተማታት ዓለም ብርችትን ሙዚቃን ደሚቐን፣ሰባት ንሓድሽ ዓመት 2014 ኣ/ፈ ብድሙቕ መንፈስ ተቐቢሎምዎ።

ኣብ ከተማ ኒውዮርክ Times Square ተባሂሉ ኣብዝፅዋዕ ኣደባባይ ንከቢድ ቁሪን ጥቡቕ ሓለዋ ፀጥታን ተፃዊሩ፣ንስዓታት ተፀቢዩ፣ሓድሽ ዓመት ምእታው ዘበስር ግዙፍ ናይ መብራህቲ ኩዕሶ ኣብ ፍርቂ ለይቲ ክወድቕ ከሎ ንምርኣይ ናብ ሓደ ሚሊዮን ዝኸውን ህዝቢ ክፅበ ኣምስዩ’ሎ።
ስልጣን ዘመን ከንቲባነቶም ዝወድኡ ቢሊየነር ማይክል ብሉምበርግ ይኹኑ ዝተክኡዎም ቢሊ ዲ ብላሲዮ እታ ኩዕሶ ንኽትወርድ ኣይገበሩን።እታ ኩዕሶ ንኽትወርድ ነታ መልጎም ወይም Button ናይ ምፅቃጥ ክብሪ ጓል ኒው ዮርክ ንዝኾና ንዳኛ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ዩናይትድ ስቴትስ ንሶኒያ ሶቶማየር እዩ ተዋሂቡ።

ሓድሽ ዓመት 2014 ንምቕባል ህዝቢ ኣብ ከተማታት ሞስኮ፣ዱባይ፣ለንደን ወዘተ እውን ጎደናታት ብህዝቢ ተጨናኒቖም ኣምሲዮም ኣለው።

ኣብ ለንደን ኣብ ኣደባባይ ትራፍላገር ርችት ይትኮስ ኣብዝነበረሉ እዋን ተሳተፍቲ ካብ ሰማይ ብዝተበተነ ዘብለጭልጭ በራሪ ወረቐት ተሸፍኖም ነይሮም።

እቲ ኣዝዩ ዘደንቕ ምርኢት ዝተኻየደላ ዋና ከተማ ሕቡራት ዓረብ ኤመረት ዝኾነት ዱባይ እያ።ኣብቲ ካብ ዓለም ነዊሕ ዝኾነ ህንፃ Burj Khalifa ዝተወልዐን ኣሽሓት ዝተዓዘቡዎን ርችት ፍሉይ ነይሩ።ንናይ ዓለም ክብረወሰን ንምስባር 400 ሽሕ ርችታት ካብቲ ህንፃ ተተኲሱ’ሎ።ናይ ቅድሚ ሎሚ ክብረወሰን ኵዌት ዓሚ ዝተኮሰቶ በዝሒ ርችት ነይሩ፤77 ሽሕ ርችት።

ኣብ ሞስኮ Red Square ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ኣደባባይ ኣብ ዝርከብ Spasskaya ህንፃ ፍርቂ ለይቲ ርችት ተወሊዑ።ቅድሚ ሎሚ ብዘይተለመደ ኣብታ ከተማ በረድ ኣይነበረን፤የግሳድ ሙቐት እዩ ነይሩ።

ቨረኑላ ቡክሻ ዝተብሃለት ነብሪት ሞስኮ ከምዚ ትብል ‘’እዚ ዓመት እዚ ንኹሉ ናይ ዕድልን ሰላምን፣ኵናትን ግጭትን ዘይብላ ዓመት፤ኩሉ ሕጉስ ዝኾነላ ዓመት ክትኸውን እምነ፤ሂልቂት የርሕቆ።’’

ኣብ ቤጂንግ ቻይና እቲ ናይ ርችር ምርኢት ንናይ ቻይና ዓብዪ መንድቕ the Great Wall of China ብኽፋል ሸፊኑዎ ነይሩ።

Kongን Yuን ዝተብሃሉ ሕፁያት ነቲ ብዓል ብምኽባሮም ሕጉሳት እዮም።
ኮንግ ኣነን ሕፅይተይን ንዝለኣለም ብፍቕሪ ክነብር ተስፋ እገብር ክብል ሪኢቱኡ ሂቡ።
ዩ ብወገና ኣብ ናይ ቻይና ዓብዪ መንድቕ ነኽብሮ ስለዘለና ደስ ዝብል እዩ ትብል።
ኣብ ሆንግ ኮንግ እውን ብተመሳሳሊ ድሙቕ ናይ ርችት ምርኢት ነይሩ።
ኣብ ቶክዮ ሓደሽ ዓመት ንምብሳር 108 ግዜ ደወል ተደዊሉ’ሎ።

ኣብ ስድኒ ኣውስትራሊያ ናብ ክልተ ሚሊዮን ዝፅጋዕ ህዝቢ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ንፈለማ ግዜ ኣብ ወሰን ማይ ካብ ዝርከብ ናይ ተዋስኦ መድረኽ ንዝተተኮሰ ርችት ንምርኣይ ተኣኪቦም ኣምሲዮም።