ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ሓድሽ ርእሰ-ዻዻሳት ረኺባ

Jorge Mario Bergoglio

ኣርጀንቲናዊ ካርዲናል ሆርሄ ማርዮ በርጎግልዮ፣መበል 266 ዻዻስ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኮይኖም ሎሚ ረቡዕ ተመሪፆም።

115 ኣብ‘ቲ ምርጫ ዝተሳተፉ ካርዲናላት፣ነቶም 76 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣርጀንቲናዊ ድሕሪ ናይ ክልተ መዓልታት መስርሕ ድምፂ‘ዮም ናብ ሓደ ውሳነ በፂሖም።

ነቲ ታሪኻዊ ስነ-ስርዓት ምግላፅ መንነት ሓድሽ ዻዻስ ንምስማዕ፣ኣሻሓት ሰባት ኣብ ኣደባባይ ቅዱስ ዼጥሮስ ቫቲካን ተኣኪቦም ነይሮም።

ኣብ ልዕሊ መአከቢ ኣዳራሽ ቫቲካን ፃዕዳ ትኪ ክወፅእ ምስጀመረን ደወል ምስተሰምዐን፣1.2 ቢልዮን ኣባላት ንዝሓዘት ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ ዝመርሕ ሓድሽ ዻዻስ ከምዝተመረፀ ሓቢሩ‘ሎ።

ካርዲናል ሆርሄ፣ዘርኦም ጣልያናዊ፣ወላዲኦም ድማ ሰራሕተኛ መንገዲ ባቡር ዝነበሩ‘ዮም።ደቡብ ኣሜሪካ ድማ፣መንበሪ እቶም ዝበዝሑ ካቶሊካውያን‘ዮ።