ሚንስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ እንታይነቶም ዘይፍለጥ በረርቲ ነገራት ኣብ ጠፈር ይበዝሑ ኣለዉ ዝብል ሓዲሽ ጸብጻብ ኣውጺኡ።እንተኾነ እዞም በረርቲ ነገራት ካብ ፕላነትና ወጻኢ ዝመጹ እዮም ዝብል እምነት የብሉን።
ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዝተፈላለዩ ዓይነት በረርቲ`ዮም። ዩ-ፎ- ወይ `ኣን-ኣይደትፋይድ ኦብጀክት` ዝብል ሽም`ዩ ዝውሃቦም። እንታይነቶም ኣይፍለጥን። ገሊኦም ኣዕዋፍ፡ ገሊኦም ባሉናት ወይ ፍሕኛታት፡ ገሊኦም ድማ ሳታላይታት ይመስሉ ይብልዎም። ብመንጎ በረራ ነፈርቲ ገያሾ ክሓልፉ ዝተራእይሉ ኩነታት`ውን ኣሎ። ንኣብነት ገለ ሰባት ካብ ኒውዮርክ ውጽእ ኣብ ዝበለ ወሰናስን ባሕሪ ፍጹም ክተላልዮ ዘይትኽእል ነገራት ርኢና ይብሉ።
ብዛዕባ ምህላው ካልኦት ህይወታት ዘሎ ክትዕ ቀጻሊ`ዩ። እንተኾነ ህዝቢ ብዛዕባ`ዞም በረርቲ ነገራት ዘለዎ ተገዳስነት እናወሰኸ ምምጽኡ እቲ ናይ ሚንስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ማለት ፔንታገን ሪፖርት የመልክት። ነዚ ካብ ህዝቢ ዝቐርብ ሻቕሎት እዩ`ምበኣር መንግስቲ መልሲ ክረኽበሉ ዝደሊ ዘሎ። ሕጂ እዚ ሪፖርት ዝወጽእ ዘሎ፡ መንግስቲ ብዛዕባ`ዞም እንታይነቶም ዘይፍለጥ በረርቲ ነገራት ግሉጽ ብዝኾነ መገዲ ንህዝቢ ከፍልጥ ኣባላት ባይቶ ድሕሪ ምሕታቶም ድሕሪ መዓልታት`ዩ።
እቲ ሪፖርት ነዞም እንታይነቶም ዘይፍለጥ በረርቲ ንምጽናዕ፡ ብመንግስቲ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ፡ ንሃገራዊ ጸጥታን ድሕነት ነፈርትን ዘለዎ ሳዕቤናት ኣብ ግምት ብምእታው ምበር ብዛዕባ ኣብ ሳይንስ ዘሎ ልበ-ወለድ ንምምርማር ኣይኮነን ይብል ።
ኣብ 2022 ብ ፔንታገን ዝቖመ All-Domain Anomaly Resolution Office ዝተባህለ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝሃቦ ገምጋም፡ እዞም በረርቲ ነገራት ካብ ፕላነት መሬት ወጻኢ ዝብገሱ`ዮም ዝብል እምነት ከምዘይብሉ ጠቒሱ`ሎ። እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብቲ መግለጺኡ “ ክነስምረሉ ንደሊ ነገር፡ ክሳብ ሎሚ ዝገበርናዮ መርመራ፡ እዞም ነገራት ካብ ፕላነትና ወጻኢ ዝመጹ ምንቅስቓሳት ወይ ቴክኖሎጂ ከምዘይኮኑ እዩ" ይብል።
እቲ ካብ ዙርያ ዓለም 757 ተርእዮታት ዝመዝገበ መጽናዕቲ ፔንታጎን፡ ካብ 1 ግንቦት 2023 ክሳብ 1 ሰነ 2024 ዝረኸቦ ነገራት ናብ ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ ጸብጻብ ዘቕረበ ኮይኑ፡ መብዛሕቲኦም እቶም ተርእዮታት ኣብ ክሊ ኣየራት ዝተራእዩ ኮይኖም ግን 49 ከኣ ካብ መሬት ሓደ 100 ኪ.ሜ ጥራይ ርሕቐት ኣብ ዘለዎ ከባቢ ዝተራእዩ `ዮም- እዚ`ውን ኣብ ጠፈር ክብሃል ይክኣል`ዩ ይብሉ ።
ትሕቲ ባሕሪ ግን ዝረኸብዎ ነገር ኣይነበረን። ካብ መንጎ ነቶም እንታይነቶም ዘይፍለጥ ነገራት ርኢና ዝብሉ መሰኻኽር፡ ፓይሎት ነፈርቲ: ገያሾን ከምኡ ድማ ካብ መሬት ኮይኖም ዝተዓዘቡ መሰኻኽር የጠቓልል።
ኣስታት 300 ዝኾኑ ተርእዮታት መግለጺ ዝተረኽበሎም ክኾኑ ከለዉ፡ ካብ መንጎኦም ድማ ባሉናት: ኣዕዋፍ: ነፈርቲ: ድሮናት ከምኡ`ውን ሳታላይታት ምዃኖም መሰኻኽር ገሊጾም `ዮም።
ብመሰረት`ቲ ሪፖርት፡ ናይ ኤሎን ማስክ ስታርሊንክ ሳተላይት ሲስተም ካብ መንጎ ቀንዲ ምንጭታትን ሰባት ምስ ዩፎ ዘደናግርዎም ዘለዉ ሰንሰለታት ሳታላይትን`ዮም።
እንተኾነ ካልኦት ክልለዩ ዘይክኣሉ ብኣማኢትዝቑጸሩ በረርቲ ነገራት`ውን ኣለዉ። ኣብ ሓደ ገምጋም ንምብጻሕ ድማ እኹል ሓበሬታ ኣይተረኽበን። ዛጊት ሓደጋ:ጉድኣት ወይ ረጽሚ `ውን ኣይተሓበረን። ሓደ እዋን ግን ፓይሎት ነፋሪት ገያሾ ኣብ ልዕሊ ውቅያኖስ ኣትላንቲክ ጥቓ ኒው- ዮርክ ምስ ሓደ ናይ በርሚል ቅርጺ ዝሓዘ ነገር ካብ ምርጻም ንስክላ ከም ዘምለጡ ተዛሪቦም ኣለው። እቲ ኣጋጣሚ ገና ኣብ መርመራ ይርከብ።
ኣብ ካልእ ሰለስተ ኣጋጣሚታት ድማ ፓይሎታት ነፈርቲ ውግእ ፡ ሓንቲ ዘይተፈልጠት ነፋሪት ከም ዝሰዓበቶም ሓቢሮም ኣለዉ። እንተኾነ ምስ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ነፋሪት ንምትእስሳራ ዘኽእል ሓበሬታ የለን።
መሰኻኽር ነቶም ርኢናዮም ዝበልዎም ነገራት ክገልጽዎም ከለዉ፡ ፍኹስን ክብብ ዝበሉን፡ ዝተፈላለዩ ቅርጽታት ዝሓዙን ክብሉ ይገልጽዎም። ገሊኦም ከኣ ብልጭ ዝብል መብራህቲ ዘለዎም ከም ጀሊፊሽ ዝብሃል ዓሳ ዝመስሉ ምዃኖም ይገልጽዎም።
ኣብቲ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ባይቶ ኣመሪካ ዝተዋህበ ቃለ-ምስክርነት፡ ኣባላት ባይቶ ካብ ዝተፈላለዩ ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተጠቓለሉ ቃል መሰኻኽር እንተላይ ካብ ወተሃደራዊ ሓለፍቲ ምስክርነት ሰሚዖም `ዮም። እቲ ምይይጥ ብዛዕባ ግዳማዊ ስለያ ከምኡ`ውን ግዳማዊ ሓይልታት ምስጢራዊ በረርቲ ተጠቒሞም ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ትካላት ኣመሪካ ስለያ የካይዱ ከይህልዉ ዝብል ስኽፍታ ዘጠቓለለ እዩ ኔሩ።
እቶም ኣባላት ባይቶ ከም ዝበልዎ እንተኾይኑ፡ ብዛዕባ`ዞም መንነቶም ዘይፍለጡ በረርቲ ነገራት ዝለዓል ዘሎ ብዙሕ ሕቶታት፡ መንግስቲ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ክከታተሎን ዝረኸቦ መረዳእታ ድማ ንኣመሪካውያን ከካፍልን ከም ዘለዎ ዘብርህ`ዩ።