ንድምጺ ኣሜሪካን ካልኦት ትካላት ፈነወ መንግስቲ ኣሜሪካን ብሓዲሽ ኣወዳድባ ዝሰርዕ ሓዲሽ ሕጊ ወጺኡ

  • ዜና ቪኦኤ
በዚ ሓድሽ ዝወጸ ሕጊ መሰረት እቲ ንድምጺ ኣሜሪካ ዘመሓድር ዝነበረ ቢቢጂ ብዝብል ናይ እንግሊዝኛ ምሕጻረ-ቃል ዝፍለጥ ቦርድ ምምሕዳር ፈነወ፡ ብሓደ ትሕት ዝበለ ኣማኻሪ ቦርድ ክትካእ`ዩ።

እቲ ብባይቶ ኣሜሪካ ዝሓለፈን ኣብ ቀረባ ብፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ብፊርማ ክጸድቕ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎን ሓዲሽ ሕጊ፡ ኩለን ትካላት ዓለም-ለኻዊ ፈነወታት ኣብ ትሕቲ ሓደ ሓያል ዋና ሓላፊ ከምዝጥርነፋ ዝገብር`ዩ።

ድሕሪ ሎሚ ዝሽየሙ ዋና ሓለፍቲ ድምጺ ኣመሪካ ድማ፡ በቲ ቦርድ ምዃኑ ተሪፉ ብፕረዚደንት ኣሜሪካ ብቐጥታ ዝምዘዝን ብሰነት ማለት ብባይቶ መወሰኒ ሕጊ ዝጸድቐሉን ክኸውን`ዩ።

ነቐፍቲ`ዚ ሓዲሽ ሕጊ ብወገኖም፡ ቢቢጂ ንናጽነት ሞያ ጋዜጠኝነት ኣብ መንጎ ከም መንደቕ ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ`ዩ- ስለዚ ንዕኡ ምልጋሱ ንዘይሻራነት መራኸቢ ብዙሓን ክጎድኦ ይኽእል`ዩ ይብሉ።

ዋና ደጋፊ `ዚ ሓዲሽ ሕጊ -ሪፓብሊካን ኢድ-ሮይስ፡ ኣብ ቢቢጂ ዝግበር ዘሎ ለውጢ፡ ጽቡቕ `ዩ ደንጉዩ `ኳ ይብል።

ብፕረዚደንት ኦባማ ተመዚዙ ዝነበረ ኣባል ቦርድ ምምሕዳር-ቢቢጂ-ዝኾነ ሚካኤል ከምፕነር ግን፡ እዚ ሓዲሽ ሕጊ ጌጋ `ዩ ይብል።

“ዝኾነ ፕረዚደንት፡ ዲሞክራት ይኹን ሪፓብሊካን፡ ኣብ ስራሓት`ዚ ኣገዳሲ መራኸቢ ብዙሃን ኣሜሪካ፡ ክፉት ስልጣን ክህልዎ ይብሉን። ናጽነት`ቲ ሚዲያ`ዩ ኣብ ዙርያ ዓለም ተኣምንን ኣድማዕን ዝገብረና፡ ካብኡ ዝተረፈ ግን ተኣማንነት ዝጎደሎ ፕሮፓጋንዳ`ዩ ዝኸውን።”

ገለ ጸብጻባት ሚዲያ`ውን፡ እቲ ሓዲሽ ኣወዳድባ፡ ቪኦኤ ዝርከቦ ኣህጉራዊ ትካላት ፈነወ መንግስቲ፡ ነቲ ዝመጽእ ዘሎ ምሩጽ- ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ መሳርሒ ክኾና`የን ይብሉ።

ሕጂ ኣብ ቢቢጂ ዋና ሓላፊ ዘሎ ጆን ላንሲንግ ግን፡ ናጽነት ድምጺ ኣሜሪካን ካልኦትን ሕጂ`ውን ክሕሎ`ዩ ይብል። ናጽነት ድምጺ ኣመሪካ፡ ብቻርተር ድምጺ ኣሜሪካ ዝተሓለወ ምዃኑ `ውን የዘኻኽር- “እቲ ዜና ድምጺ ኣሜሪካ- ትኽክለኛ፡ ሚዛናውን ኣጠቓላሊን “ ዝብል መመርሒ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ንድምጺ ኣሜሪካን ካልኦት ትካላት ፈነወ መንግስቲ ኣሜሪካን ብሓዲሽ ኣወዳድባ ዝሰርዕ ሓዲሽ ሕጊ ወጺኡ