መንግስቲ ኔዘርላንድስ ናብ ቻይና ዝግበር ሰደድ ሰሚኮንዳክተር ኣብ ምቁጽጻር ምስ መንግስታት ኣመሪካን ጃፓንን ምጽንባሩ ኣፍሊጡ። ኔዘርላንድስ ኣፍራይት ኣብ ዓለም ዝኸበረ ንስሚኮንዳክተር ዘገልግል ቺፕስ ክትከውን ከላ፡ ቻይና ነቲ ተኣፋፊ ቴክኖሎጂ ንኻልእ መዓላ ተወዕሎ ኣላ ዝብል ስኽፋታ ኣለዋ።
ሚንስተር ቁጠባ ኔዘርላንድስ ሚኪ ኣድሪያነስ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ናብ ዋሺንግተን ምብጻሕ ኣብ ዘካየደትሉ እዋን ነቲ ምቁጽጻር ፍርያት ሰሚኮንዳክተር ዕላዊ ጌራ። እዚ ማለት ኣብ'ታ ሃገር ዝርከብ ካብ መንጎ ናይ ዓለምና ዝዓበዩ ኣፍረይቲ ብቺፕስ ዝሓትሙ ማሺናት ሓደ ዝኾነ ASML ዝተባህለ ኩባንያ፡ ናብ ቻይና ዝግብሮ መሸጣ ደረት ክገብረሉ ይኽእል'ዩ።
ኣመሪካ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥቅምቲ ናብ ቻይና ዝሽየጥ ንምዕቡላት ኮምፒተራት ዝገልግል ዝተወሰነ ኤለክትሪካዊ ሰሚኮንዳክተር ቁጽጽር ከም ትገብረሉ ኣፍሊጣ ኔራ`ያ። እቲ ስጉምቲ ኣብቶም ንምምዕባል ወተሃደራዊ ሓይሊ ቻይና ቀጥታዊ ኣበርክቶ ዝገብሩ ነገራት ዝዓለመ ምዃኑ`ውን ኣመሪካ ኣፍሊጣ ኔራ። ካብ መንጎ`ቶም ቻይና ክትጥቀመሎም ትኽእል ነገራት ድማ ኣብ ምምስራሕ ጃምላዊ ዕንወት ዘስዕቡ ኣጽዋራት ከምኡ`ውን ንምዕቡል ቴክኖሎጂ ስለያ ዘገልግሉ ነገራት ምዃኖም ወሲኻ ትጠቅስ።
ኣመሪካ ድሕሪኡ ጃፓንን ኔዘርላንድስንኣብ ቀረብ ሰሚኮንዳክተር ማለት ኤለክትሪካዊ ነዝሪ ዘሕልፍ መሳርሒ ምቁጽጻር ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስዳ ሓቲታተን ኔራ። ሕጂ እቲ ሻቕሎትና ትብል ሚንስተር ቁጠባ ኔዘርልንድስ ሚኪ ኣድሪያነስ “እቲ ቺፕስ ዘፍሪ ቴክኖሎጂ ኣብ ወተሃደራዊ መዓላ ይውዕል ኣሎ ዝብል`ዩ”።
ነቲ ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ ምስ ዋሺንግተን ዝነበረ ልዝብ ቀሊል ከም ዘይነበረ`ውን ተዛሪባ ኔራ።
“ሓቂ ንምዝራብ ውጥረት ዘለዎ ርክብ'ዩ ኔሩ፡ ሕጂ'ውን ዘሎ” ዝበለት ሚኪ ኣድሪያነስ “እንተኾነ ኣብቲ ቀንዲ ጉዳይ ተሰማሚዕና ኢና፡ እቲ ትኽክለኛ ኣንፈት ኣብ ምሓዝ ዝብል`ውን ሓባራዊ ምርድዳእ ጌርና ኣለና" ኢላ።
እቲ ምርድዳእ ገና ናብ መምርሕታት ክትርጎም ኣለዎ ድሕሪ ምባል ድማ ሃገራ ንኣድላይነት`ቲ ስጉምቲ ከም እትርዳእ ኣፍሊጣ።
ጃፓን ዝሓለፈ መጋቢት 31 እያ ካብ ዝመጽእ ሓምለ ኣትሒዛ 23 ዓይነታት ሰሚኮንዳክተር ዘፍርያ መሳርሕታት ናብ ቻይና ከይሽየጥ ዝብል ውሳነ ከምተተግብር ኣፍሊጣ። ሚንስተር ንግድን ኢንዱስትርን ጃፓን ያሱቶሺ ኒሺሙራ "ንሕና ከም ቴክኖሎጂካዊት ሃገር ምዃንና መጠን ንሰላምን ርግኣትን ዓለም ኣበርክቶ ኣብ ምግባር ሓላፍነትና ንፍጽም ኣለና" ክብል ንሪፖርተራት ገሊጹ።
ኣብ ኔዘርላንድስ ዝመደበሩ ASML ዝተባህለ ኩባንያ ንኮምፒተር ዘገልግል ቺፕስ ዝተባህለ ኣቕሓ ኣብ ምፍራይ ካብ ዓለም ዝዓበየ`ዩ። ቀንዲ ዝፍለጠሉ ቴክኖሎጂ ድማ EUV ዝብሃል ብርቱዕ ጨረር መብራህቲ ከምኡ ድማ DUV ዝበሃል ዓሚቕ ጨረር መብራህቲ ምፍራይ`ዩ። እዚ ምዕቡል ቴክኖሎጂ ንናኣሽቱ ኣሰራት ጽሑፍ ናብ ደቂቕ ኣጉዲሉ ንመስርሒ ሰሚኮንዳክተር ዘገልግል`ዩ።
ካብ 2019 ጀሚሩ ብ ኤ-ኤስ-ኤም-ኤል ዝፈሪ ማሺናት ኢ-ዩ-ቪ፡ ኣብ መዝገብ ቁጽጽር ቻይና ኣትዩ ጸኒሑ`ዩ፡ እቲ ካምፓኒ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ሓዲሽ ቁጽጽር መሸጣ፡ ኣብተን ትሕት ዝበላ ናይ ዲ-ዩ-ቪ ማሺናት`ውን ክትግበር ይኽእል`ዩ ኢሉ ኔሩ።
ታይዋን ቀንዲ ዓሚል`ቲ መሳርሒታት ሰሚኮንዳክተር ክትከውን ከላ፡ እቲ ናይ ኔዘርላንድስ ኩባንያ ASML ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ቻይና ዝሰርሑ ልዕሊ 1,000 ሰራሕተኛታት ኣለዎ። ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ፡ ካብ ጠቕላላ መሸጣ`ቲ ኩባንያ፡ ቻይና 14 ሚእታዊት ሒዛ ኔራ። እቲ ኩባንያ ኣብቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት 2022 ዓመታዊ ሪፖርቱ፡ ሓደ ቻይናዊ ሰራሕተኝኡ ብዘይፍቓድ ዘይግባእ ኣጠቓቕማ ዳታ ከም ዘርኣየ ከም ጸገም ጥሕሰት ዋንነት ገሊጽዎ ኔሩ። ከም ምጥሓስ ሕጊ ምቁጽጻር መሸጣ ክርኣይ ከም ዝኽእል`ውን እቲ ሪፖርት ሓቢሩ ኔሩ። ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ ዓመተ 2021 `ውን ተመሳሳሊ ጸገም ከም ዝነበረ ዝጠቐሰ ኩባንያ ኔዘርላንድስ ሻቕሎቱ ንሰበ-ስልጣን ቻይና ከም ዝሓበረን፡ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ክከታተሎ ከም ዝጸንሐን ይጠቅስ።
ASML ኣብ ልዕሊ XTAL ኣብ ዝመስረቶ ናይ ቤት ፍርዲ ክሲ፡ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ ጨንፈሩ ዝሰርሕ ዝነበረ ቻይናዊ ሰራሕተኛ፡ ክልተ ሚልየን ዝኸውን ንሶፍትወር ዘገልግል ሕንጻጻት ምንጪ ኮዳት ከም ዝሰረቐ የመልክት። እቲ ስርቂ ድማ XTAL ከምኡ ድማ DongFang ንዝተባህሉ ትካላት ቻይና ንምሃብ ዝተገብረ ምዃኑ እቲ ክሲ ይጠቅስ።. ወኪል ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ክዛረብ ከሎ፡ ASML ነቲ ሶፍትወር ከማዕብል 10 ዓመትን $100 ሚልየንን ክውድኣሉ ከሎ፡ ንቻይናዊ ኩባንያ XTAL ነቲ ቴክኖሎጂ ንምድጋሙ ክልተ ዓመታት ጥራይ ወሲዱሉ ዝብል ጥርዓን ኣቕሪቡ።
ዝሓለፈ መጋቢት መወዳእታ ዋና ሓላፊ ASML ፒተር ወኒክ ምስ ሚንስተር ንግዲ ቻይና ዋንግ ወንታኦ ኣብ በይጂንግ ተራኺቡ ኔሩ። ቻይና ብኽፉት ከም ትሰርሕን ነተን ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ምቹእ ባይታ ከም ትፈጥርን`ውን ዋንግ ቃል ኣትዩ ኔሩ። ብዛዕባ`ቲ ዝተባህለ ምጥሓስ መሰል ዋንነት ተዘራሪቦም እንተኾይኖም ግን ንጹር ኣይነበረን።
እቲ ናይ ኔዘርላንድስ ኩባንያ ተወሳኺ ስርቂ ዋንነት ከይጋጥሞ ንምክልኻሉ ዝሓሰቦ ነገር እንተሃልዩ ብድምጺ ኣመሪካ ዝተሓተተ ወሃቢ ቃል`ቲ ኩባንያ፡ ንዋንነት ንብረትና ክሰርቁ ዝፍትኑ ሰባት ኮነ ትካላት ብዕቱብ ክንከታተሎም ኢና ኢሉ።
ASML ካብቲ ኣብ ታይዋን ዝርከብ ሰሚኮንዳክተር ኣፍራይ ትካል ከምኡ`ውን ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ኢንተል ዝብሃል ቴክኖሎጂ ኮምፒተር ዝንእስ`ኳ እንተኾነ ኣብ ኤውሮጳ ዝማዕበለ- ቴክኖሎጂ ሰሚኮንዳክተር ካምፓኒ ኮይኑ ዝርኣይ`ዩ። ኔቶ ዝምስርቶ ዘሎ ሓዲሽ ኢኖቨሽን ፈንድ ዝተባህለ ማእከል`ውን መደበሩ ኣብ ኔዘርላንድስ ንክኸውን ንእትገብሮ ጻዕረታት ክሕግዛ ይኽእል ይኸውን`ዩ ተባሂሉ ይግመት።