ሚ/ጉ/ወ ፈረንሳ ቀ/ሚ ነታንያሁ ኣብ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ናይ ዘይምኽሳስ መሰል ከምዘለዎም ገሊጾም

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ዥን ኒወል ባረት

ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ንዓለምለኸ ፍትሒ ዘለዎ መብጽዓ ብምርግጋጽ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ቀ/ሚ ነታንያሁ ክእሰሩ ድሕሪ ዝሃቦ ትእዛዝ፡ እስራኤል ኣባል’ቲ ቤት ፍርዲ ብዘይምዃና እቶም ቀ/ሚ ናይ ዘይምእሳር መሰል ከምዘለዎም ሓቢሩ’ሎ።

ይኹን ደኣ እምበር ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ዥን ኒወል ባረት ቀ/ሚ ነታንያሁ ናብ ፈረንሳ እንተመጺኦም ክእሰሩ ድዮም ዝብል ዝቐረበሎም ሕቶ ንጹር መልሲ ኣይሃቡን።

ዓለምለኸ መጋብኣያ ገበን ኣብ ቀዳሞት ሰሙን ወርሒ ሕዳር ቀ/ሚ ነታንያሁ ሚንስተርን ምክልኻል እስራኤል ነበር ጋለት ወታሃደራዊ መራሒ ሓማስ ክእሰሩ ትእዛዝ ምውጽኡ ይዝከር።

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ጆሰፍ ቦረል እቲ ትእዛዝ ማእሰርቲ ተግባራዊ ክኸውን ከምዘለዎ ሓቢሮም’ዮም። ፈረንሳ ግን ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ጉዳይ ጥንቁቕ መርገጺ’ያ ትወስድ አላ።