ተቃላሳይ ሓርነትን ፈላማይ ፀሊም ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃን ኒልሰን ማንዴላ ዓሪፎም

Nelson Mandela 1918-2013



ኒልሰን ማንዴላ ኣብ መበል 95 ዓመት ዕድሚኦም ዓሪፎም። ሞት ኒልሰን ማንዴላ ንህዝብን ዓለምን ትማሊ ሓሙስ ምሸት ዘፍለጡ ናይ ደቡብ አፍሪቃ ፕረዚደንት ጃኮብ ዙማ'ዩም።

ኒልሰን ማንዴላ ንሃገሮም ካብቲ እዋን ፀላም ስርዓት ኣፓርታይድ ወይ ፈላላይ ስርዓት ንምውፃእ ህይወቶም ሙሉእ ዝወፈዩ ሰብ''ዮም።

ድሕሪ ምውጋድ'ቲ ፈላላይ ስርዓት ቀዳማይ ፀሊም ፕረዚደንት ብምኻን'ታ ሃገር ናብ ዕርቅን ሰላምን ክተምርሕ ዝመርሑ'ዮም።


ማንዴላ ንሓደ እዋን ጥራይ ፕረዚደንት ኾይኖም ድሕሪ ምግልጋሎም ስልጣን ብምርካብ ጡረታ ወፂኦም።





ህዝቦምን ዓለምን ንዕኦም ዘለዎም ኣኽብሮት ዝለዓለ ብምኻን ቀፂሉ'ዩ።