ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ ኣብ እዋናዊ ዛዕባ

A woman walks on a highway blocked by rocks after the passage of hurricane Matthew on the coast of Guantanamo province, Cuba.

ናይ ኢትዮጵያ ፕሬዝዳንት ዝነበሩ ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝርከብ The National Endowmnet For Democracy ዝተብሃለ ትካል መፅናዕቲ ኣብ ዘዳለዎ መድረኽ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ኣቕሪቦም ኣለው።

ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ ካብ 1995 ክሳብ 2001 ኣ/ፈ ናይ ኢትዮጵያ ፕሬዝዳንት፣ካብ 2005 ክሳብ 2010 ድማ ብውልቆም ኣባል ፓርላማ ኢትዮጵያ፣ካብ 2012 ክሳብ 2013 ኣ/ፈ ኣቦ መንበር ፓርቲ ሓድነት ንዴሞክራሲን ፍትሕን ብምዃን ሰሪሖም።

ድልየት ኩሉ ዘንፀባርቕ ሕገ መንግስቲ ኣድላዪ ምዃኑ ብምግላፅ ድሕሪ ውድቀት ደርጊ ብናይ ኢትዮጵያ ህዝብታት ወያናይ ዴሞክራሲታዊ ግንባር/ኢህወዴግ/ ዝተጣየሸ መሰጋገሪ መንግስቲ ንናይታ ሃገር ሽግር መፍትሒ ዝኸው እታ ሃገር ኣብ 14 ክልላት ዝኸፈለ ፌደራላዊ ኣመሓድራ ከምዝተጣየሸ ሓቢሮም።ዘይዓገቡ ከም ኦነግ ዝኣመሰሉ ገለ ወገናት ካብ መሰጋገሪ መንግስቲ ንዓርሶም ኣግሊሎም ይብሉ።

ካብ ናይ 17 ዓመታት ናይ ጀርመን ስደት ናብ ኢትዮጵያ ከምዝተመስሉ ብምዝኽኻር ኣብ ከይዲ መሰጋገሪ መንግስቲ ከምዝተሓወሱን ምንስቴርን ኣባል ፓርላማን ብምዃን ከምዝሰርሑ ይገልፁ።

ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ ኣቦ መንበር ሕገ መንግስታዊ ጉባኤ ብምዃን ኣብ 1994 ኣ/ፈ ናይ ኢትዮጵያ ሕገ መንግስቲ ኣብ ምርቃቕ ተሳቲፎም፤ኣብ 1995 ነቲ ሕገ መንግስቲ ዝፈረሙ እዮም።

‘’ብፍላይ ድማ ናይ ዝኾነ ይኹን ብሄርን ብሄረሰብን መሰል ዓርሰ ውሳነ ክሳብ ምንፃል ዘለዎ መሰል ብዘይደረት ዝተሓለወ እዩ ዝብል ዓንቀፅ 39 እቲ ሕገ መንግስቲ ፀዲቑ’’ምስ በሉ ኣስዒቦም ‘’ኣብቲ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝነበራ 547 ኣውራጃታት ዝተወከሉ ኣብቲ ኣኼባ ተሳቲፎም፤ምስ ፀደቐ ካብ መናብሮም ተላዒሎም ኣብቲ ኣዳራሽ ጨዲሮም።እታ ማዕልቲ ንዓይ እውን ዓባይ ዕለት ስለዝነበረ ዝኾርዐላ እያ’’ኢሎም።

ካብ 15 ነሓሰ 1987 ዓ/ም ጀሚሩ እቲ ሕገ መንግስቲ ናይ ኢትዮጵያ ፌደራላዊ ዴሞክራሲያዊ ዝለዓለ ሕጊ ኮይኑ ምፅዳቑ ብምዝኽኻር እንተኾነ ግን ሎሚ እውን መፍትሒ ዘይረኸቡ ናይ ፖለቲካ፣ናይ ማሕበረውን ቁጠባውን ሽግራት ከምዘለው ይገልፁ።ንዝርዝሩ የድምፁ።

Your browser doesn’t support HTML5

ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ