ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ዝርከብዎም መራሕቲ ቃል ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክን /NATO/ ኣብ ዋና ከተማ ፖላንድ ዋርሶው ኣኼባ የካይዱ ኣለው።
ኣብቲ ጉባኤ ንምውፃእ ብሪታኒያ ካብ ሕብረት ኣውሮፓን ነቲ ሕብረት እናዓበየ ይኸይድ ዘሎ ናይ ሩሲያ ስግኣትን ሓዊሱ ኣብ ብርክት ዝበሉ ዛዕባታት ይዛረረብሉ ኣለው።
እዚ ኣኼባ እዚ ካብ መወዳእታ ካልኣይ ኲናት ዓለም እቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዋዕላ እዩ ተባሂሉ’ሎ።
ፕሬዝዳንት ኦባማ ምስ መራሕቲ ሕብረት ኣውሮፓ ትማሊ ዓርቢ ድሕሪ ምርኻቦም ብሪታኒያን ሕብረት ኣውሮፓን ሓጎፅ ጎፅ ዘይብሉ ስግግር ንክህሊ ከምዝሰርሑ ፍፁም እምነት ኣለኒ ኢሎም።
ናይ ኔቶ ቑመና ድሕሪ ርብዒ ክፍለ ዘመን ንፈለማ ግዜ ካብ ምርግጋፅ እምነት ናብ ምግታእ ይሰጋገር ኣሎ ይብሉ ሰበ ስልጣን እቲ ሕብረት።