ኤርትራ፡ሲምፖዚየም ሃገራዊ መዓልቲ ምግራብ ተኻይዱ

ኣብ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 11 ዓመታት ካብ ዝተተኽሉ ልዕሊ 42 ሚልዮን ፈልስታት እቶም ክሳብ 80 ሚእታዊት ዝኾኑ ከም ዝጸደቑ ተገሊጹ።

እቲ ትማሊ ሶኑይ ኣብ ቐጽሪ ኤክስፖ ዝተኻየደ ሲምፖዚየም፡ “ንደቅና ሓምላይ ኣከባቢ ነውርሶም” ዝብል ቴማ ዝሓዘ ኾይኑ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 11 ዓመታት ካብ ዝተተኽሉ ልዕሊ 42 ሚልዮን ፈልስታት እቶም ክሳብ 80 ሚእታዊት ዝኾኑ ከም ዝጸደቑ ኣፍሊጡ`ሎ።

ኣብ 2006 ዓ.ም ዝተመስረተ ሃገራዊ ክለብ ሓምላይ ወፍሪ፡ ምስ ዕላምኡ ዝሳነ፡ ንኣግራብ ንምድሓን፡ ልዕሊ 150 ሺሕ ቆጠብቲ ጸዓት ሞጎጎ ኣድሓነት ከምዝዓደለ`ውን ኣፍሊጡ`ሎ።

ምሉእ ትሕዝኡ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኤርትራ፡ ሃገራዊ መዓልቲ ምግራብ ዝምልከት ሲምፖዚየም ተኻይዱ