ቀ/ሚንስትር ነታንያሁ “ናይ ሓሶት ኢንዳስትሪ” ንዝበልዎ መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ብቁጥዐ ነቒፎም

ቀዳማይ ሚንስትር ቤንጃሚን ነታንያሁ መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ኣንጻሮም ዝዓለመ ናይ ብልሽውና ክሲ ኣብ ምልዕዓል ተራ አለዎም ክብሉ ብቁጥዓ ነቒፎም።

ንሶም ደገፍቶም ኣብ ዝተአከብሉ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ “ እዚ ኢንዳስትሪ ናይ ሓሶት መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ’ዩ። ዕላምኡ ብቅልጡፍ ብዝኾነ ዋጋ አንጻረይ ክሲ ንምምስራት እዩ” ኢሎም።

Your browser doesn’t support HTML5

ቀ/ሚንስትር ነታንያሁ “ናይ ሓሶት ኢንዳስትሪ” ንዝበልዎ መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ብቁጥዐ ነቒፎም

ሰበ ስልጣን እስራኤል ንቀዳማይ ሚንስትር ነታንያሁ ብጉዳይ ብልሽውና ክልተ ጊዜ ዝሓተቱ ክኾኑ ከለው ንሶም ግን ንዝቐረበሎም ክስታት አሉታዊ መልሲ ሂቦም አለው።

እንተኾነ ኣብ ቀረባ ጊዜ አባል ካቢኔኦም ነበር ምስክር ከቕርብ ከምዝኽእል ካብ ዝገልጽ ንደሓር በቲ ብተደጋጋሚ ዝቐርብ ክስታት ጸቕጢ ይፈጥረሎም ከምዘሎ ኣይሓብኡን።