ብረቡዕ ዝጀመረ ምውሃብ ድምጺ ሃገራዊ ምርጫ ናሚብያ፡ ብሰንኪ ዝተራእየ ሓያሎ ሎጀስቲካዊ ጸገማት ክሳብ ቀዳም ንኽናዋሕ ተገዲዱ ኣሎ። እንተዀነ ኣብዚ ምርጫ ዓቢ ተስፋን ጸብለልታን ሒዞም ዝጸንሑ ተቓወምቲ፡ ኣብቲ መስርሕ እምነት ምስኣኖም ይገልጹ ኣለው።
ሃገራዊ ምርጫ ናሚብያ ድሕሪ ዘጋጠሞ ምድንጓያት ሎሚ ኣብ ዓርቢ ኣብ 36 መድመጺ ንቝጣታት ተኸፊቱ ውዒሉ። ኣብታ ተዛማዲ ሰላም ዝርኣየላ ደቡባዊት ኣፍሪቃዊት ሃገረ ናምቢያ፡ እዚ ምርጫ ንዝሓለፉ 34 ዓመታት ዝመርሐ ሰልፊ ስዋፖ ኣብ ዝነቓነቐሉ ዘሎ እዋን’ዩ።
ቅድሚ ትማሊ ረቡዕ ዝጀመረ ምርጫ፡ ምድንጓያትን ካልእ ብዙሕ መሰናኽላትን ከም ዝነበሮ ተቓወምቲ ውድባት ይኸሱ። ገለ ዜጋታት ድምጾም ንምሃብ ክሳብ 12 ሰዓታት ኣብ መስርዕ ከም ዝተጸበዩ ይነግሩ።
እቲ ነዊሕ ትጽቢት ገሊኡ ካብ ሕጽረት መዋሃቢ ድምጺ ክኸውን እንከሎ፡ ካልእ ድማ ኣብ መስርሕ ምምዝጋብ ዝነበረ ሓላፍ-ዘላፍ’ዩ። ኣብ ገለ ንቝጣታት ድማ እኹል መብራህቲ’ውን ስለ ዘይነበረ፡ ብላምፓዲና ገይሮም ኣስማት ተወዳደርቲ ንምርኣይ ይፍትኑ ምንባሮም ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ይሕብር። ድሕሪ ነዊሕ ትጽቢት ነቲ መድመጺ ንቝጣታት ሓዲጎሞ ዝኸዱ ኣባላት እቲ ኮሚተ ምርጫ’ውን ነይሮም።
ካብ ሓያሎ ወገናት ከቢድ ነቕፌታ ዝወረዶ ኮሚሽን ምርጫ ናሚብያ፡ ነቲ ምውሃብ ድምጺ ክሳብ ጽባሕ ቀዳም ኣናዊሑዎ ኣሎ።
እንተዀነ ኣብቲ ዝተናውሐ ግዜን ወሰኽ መድመጺ ንቑጣታትን’ውን እቲ ዝድለ ውጺኢት ኣይተራእየን። ኣብ ርእሰ-ከተማ ዊንድሁክ ሓንቲ ንቝጣ ጥራይ’ያ ዓርቢ ንግሆ ተኸፊታ ነይራ። ገሊኣቶም ካብ ሰዓት 4፡30ን ወጋሕታ ኣብቲ መስርዕ ከም ዝነበሩ ይሕብሩ። እንተዀነ ኣብኡ’ውን ኣስታት 60 ዝበጽሑ ወሃብቲ ድምጺ ጥራይ’ዮም ተረኺቦም።
ካብ ብዓንተብኡ ኣድመጽቲ ዝኸዱዎ ንቑጣ ስለ ዘይተነጸረ፡ ኣብ ገሊኡ ኣዝዮም ውሑዳት ዜጋታት ክርከቡ እንከለዉ፡ ኣብ ገሊኡ ድማ ዕልቕልቕ ምፍጣሩ ርእይቶኦም ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ዘካፈሉ መረጽቲ ይነግሩ።
እቲ ኣንፈት ምጥፋእ፡ ነቶም ተቓወምቲ ወገናት ናብ ምጥርጣርን መሪሑ ኣሎ።
ኣብቲ ሓያሎ ሽቕለት ኣልቦነትን ዘይምዕሩይነት ዝርእየላ ሃገር፡ ነቲ ኣብ 1990 ናጽነታ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝረኸበት ክመርሕ ዝጸንሐ ሰልፊ ስዋፖ፡ ዝሕቱል ህዝባዊ ድጋፍ’ዩ ዝርኣዮ ዘሎ። እንተዀነ እቲ ሰልፊ ንጓል-ኣንስተይቲ ተወዳዳሪት ኣቐዲሙ’ውን ስለ ዘሎ፡ ንሱ እንተ ተዓዊቱ ኣብታ ሃገር ፈላሚት ጓል ኣንስተይቲ ፕረዚደንት ክትህሉ’ያ።
ኣብዚ ምርጫ 1.5 ሚልዮን ህዝቢ’ዮም ድምጾም ክህቡ ትጽቢት ዝግበር።