ዋሽንግተን —
ብሰበ-ስልጣን ታይላንድ፣ ቻይናን መይንማርን ዝምራሕ ስርሒት ኣብ ዶብ ታይላንድን መይንማርን ዝርከብ ናይ ምጭብርባር ማእኸላት ብምፍራስ ኣብኡ ንዝሰርሑ ዝነበሩ ካብ 30 ሃገራት ዝመፁ ብኣሽሓት ንዝቑጸሩ ሰባት ሓራ ኣውጺኦም፡ ነቲ ስርሒት ስዒቡ ናብ ሃገሮም ኣብ ምምላስ ዝተጀመረ ስጉምቲ ግን ዓብዪ ብድሆ ከም ዝኾነን ወሃቢ ቃል ሓይሊ ሓላዊ ዶብ መይንማር ካረን ገሊፁ።
ቅድሚ ሓደ ሰሙን ተሓባባሪ ወታሃደራዊ ጁንታ መይንማር ዝኾነ ሓይሊ ሓላዊ ዶብ ካረን ብሓፂር ኣፀዋውዓ BGF ልዕሊ 6,000 ሰባት ኣብ መይንማር ምጭብርባር ኣብ ዝካየደሉ ቀንዲ ከባቢ ሽዊ ኮኮ ካብ ዝርከቡ ማእኸላት ምትላል ሓራ ኣውፂኡ። እዚ ቦታ ኣብ ጥቓ ዶባ ታይላንድ እዩ ይርከብ።